ዝምስገን ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ...

12
መበል 24 ዓመት ቁ. 233 21 ሚያዝያ 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ሰሉስ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታውን ትሕተ-ቅርጻውን ንጥፈታት፡ መሰረት ብሩህ መጻኢ ኤርትራ ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዑደት ዘካየዱ ሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታት፡ ህግደፍ፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ምምሕዳራት ከባቢን ከምኡ’ውን ወከልቲ ሃገራውያን ማሕበራት ገሊጾም። ንሳቶም ካብ 15 ክሳብ 17 ሚያዝያ ኣብ ፋንኮ ጽሙእ፡ ገርሰት፡ ከርከበትን ሳዋን ንዝካየድ ዘሎ መደባት ልምዓት ድሕሪ ምዕዛብን መብርሂ ድሕሪ ምስማዕን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ፍናን ዘበርኽን ንጹር ስእሊ ዝህብን ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ኣረዲኦም። ሓላፊ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ኤርትራ ሜጀር ክብርኣብ ኣብርሃም ንዑደተኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ከባቢታት ዲጋታት ፋንኮ ጽሙእ፡ ገርሰትን ከርከበትን ዝሰላሰል ዘሎ ገዚፍ ልምዓታውን ትሕተ-ቅርጻውን መደብ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ንርሑቕ ዝጠመተ - ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ዘተኰረ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ኣነጺሩ። መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ብዝገበሮ ገዚፍ ወፍሪ፡ ቀንዲ ማሕንቖ ኮይኑ ዝነበረ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ተዋዲዱ እቲ ጸገም ከምእተቓለለ ዝጠቐሰ ሜጀር ክብርኣብ፡ ኣብ ከባቢታት ሳዋ፡ ኣፍሂምቦልን ኣቑርደትን ንዝሳለጥ ልምዓታዊ መደባት ዘገልግል ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ ኣብ መስርሕ ምውዳድ ከምዝርከብ ኣረዲኡ። ድሮ ዝተፈላለየ ዓይነት ፍረታት፡ ኣሕምልትን ኣእካልን ይፈሪ ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ብዝካየድ ዘሎ ውሁድ ጻዕሪ እቲ ናይ ልምዓት መደብ እናሰፍሐ ይመጽእ ከምዘሎ፡ ጐኒ- ጐኑ ድማ ፋብሪካ ባናቶም፡ መፍረ ሳልሳ፡ ሓድሽ ትካል ጽርበት ሓጺንን ምድላዉ መግቢ እንስሳን ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣብሪሁ። “ኣብ ጋሽ-ባርካ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ ንጥፈታት፡ መሰረት ብሩህ መጻኢ ኤርትራ’ዩ” ሓለፍቲ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ዑደተኛታት፡ ኣብ ዝበጽሕዎ ቦታታት ንዝተገብረሎም ኣቀባብላን ዝተዋህቦም መብርሂን ድሕሪ ምምስጋን፡ በብከባቢኡ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታውን ትሕተ-ቅርጻውን መደባት ንኽዕወት፡ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ተላብዮም። ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብ“ማሕበር ሕውነት” ዝፍለጡ ተመሃሮ 11 ክፍሊ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ደምበ ሰምበል፡ ካብ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ሕብረተሰቦም ተበጊሶም ብዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ኣብ መእለዪ ዘኽታማት ንዝናበዩ ቈልዑን ህጻናትን ሓገዝ ኣበርኪቶም። ኣብቲ ኣብ መእለዪ ዘኽታማት - ጎዳይፍ ዝተኻየደ መደብ፡ እቶም ተመሃሮ ነዚ ቅዱስ ተበግሶ ዝወሰዱ፡ ቅድሚ ናብ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ- ይከኣሎ ምውራዶም ሓደ ኣብነታዊ ተግባር ንምፍጻም ብዘውጽእዎ ውጥን ኮይኑ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ነቶም ተናበይቲ ምዝንጋዕን ሓገዝ ምብርካትን፡ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ማእከል’ውን ማእቶታዊ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ደምበ-ሰምበል፡ ንዘኽታማት ሓገዝ ኣበርኪቶም ስርሓት ከምዘካየዱ፡ ኣወሃሃዲት ናይቲ መደብ መምህር ኣስቴር የዕብዮ ንኤሪና ሓቢራ። ርእሰ መምህር ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ደምበ-ሰምበል መምህር ዑቕባስላሰ ተወልደ፡ ነቶም ዘኽታማት ዝተዳለወ ህያባት ድሕሪ ምዕዳል ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ እቲ ተበግሶ ውጽኢት ሕልናዊ ድርኺት ከምዝኾነ ጠቒሱ፡ ኣብ መጻኢ’ውን ተመሳሳሊ ተበግሶታት ንኽውሰድ ምትብባዕ ክገብሩ ምዃኖም ኣነጺሩ። እቶም ዘኽታማት ህጻናትን ቈልዑን፡ ካብ ትካላት መናበዪ ዘኽታማት ጻዕዳ ክርስትያን፡ ሕምብርቲ፡ እምባደርሆን ዓዲጓዕዳድን ዝተዋጽኡ’ዮም። *** ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ንኡስ ዞባ ከረን ምስ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ምምሕዳር፡ ሃማመተኤን ሃማደኤን ብምውህሃድ፡ “ንኣደ ምትብባዕ ሓልዮት ጥራይ ዘይኮነ መሰል’ውን’ዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንህዝብን ተመሃሮን ኣብ ድሕነት ኣደን ጥዕና ዕሸልን ዘተኰረ ጎስጓስ ኣካዪዱ። ኣብቲ ብ13 ሚያዝያ ኣብ ስታድዩም’ታ ከተማ ዝተኻየደ ጎስጓስ፡ ጥዕና ኣደን ዕሸልን ንምሕላው ዝካየድ ንጥፈታት ብኮማዊ ተሳትፎ ንምስማሩ፡ ኣብ ምስፋሕ ሽፋን ክታበት፡ ክትትል ነብሰ-ጾራት፡ ሓገዝ ኣብ እዋን ጥንስን ሕርሲን፡ ምውጋድ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ምውጋድ ጨ/ሚኒስትሪ ጥዕና ንኡስ ዞባ ከረን፡ ኣብ ድሕነት ኣደን ጥዕና ዕሸልን ዘተኰረ ጐስጓስ ኣካዪዱ መርዓ ትሕቲ ዕድመ፡ ምግታእ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ካልእን ዘተኰረ ምንባሩ፡ ሓላፊ ትካላት ጥዕና ኣብቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ድራር ገብርኣብ ገሊጹ። ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ሸፈነ ክትትል ነብሰ- ጾራት ብ76 ሚእታዊት፡ ክታበት ህጻናት ድማ ብ80 ሚእታዊት ተረጋጊጹ’ኳ እንተሎ፡ ኣብ ደረጃ ውሕስነት ንምብጻሕ ገና ሓያል ጻዕሪ ዝሓትት ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ድራር፡ ክትትል ቅድምን ድሕሪን ሕርሲ ዘይምክያድ ካብ ጠንቅታት ሞት ኣደን ህጻንን ስለዝኾኑ፡ ህዝቢ ብሓፈሻ ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል ገጽ 3 ምውላዶ ምዕባይ ገጽ 4 ተራ ወለዲ ኣብ ምሕላው ኣካላዊ ጥዕና ስድራቤት ብኸመይ? ገጽ 8 ኢንተርነትን መሰረታውያን ኣድራሻታትን ገጽ 10 ክዳውንትና ብመንጽር ጥዕናና ገጽ 11 ሃገራዊ ውድድር ትራክን ፊልድን ሲንየር ተዛዚሙ

Transcript of ዝምስገን ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ...

  • መበል 24 ዓመት ቁ. 233 21 ሚያዝያ 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

    ሰሉስ

    ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታውን ትሕተ-ቅርጻውን ንጥፈታት፡ መሰረት ብሩህ መጻኢ ኤርትራ ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዑደት ዘካየዱ ሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታት፡ ህግደፍ፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ምምሕዳራት ከባቢን ከምኡ’ውን ወከልቲ ሃገራውያን ማሕበራት ገሊጾም። ንሳቶም ካብ 15 ክሳብ 17

    ሚያዝያ ኣብ ፋንኮ ጽሙእ፡ ገርሰት፡ ከርከበትን ሳዋን ንዝካየድ ዘሎ መደባት ልምዓት ድሕሪ ምዕዛብን መብርሂ ድሕሪ ምስማዕን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ፍናን ዘበርኽን ንጹር ስእሊ ዝህብን ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ኣረዲኦም። ሓላፊ ኮርፖረሽን ጥሪትን

    ዘራእትን ኤርትራ ሜጀር ክብርኣብ ኣብርሃም ንዑደተኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ከባቢታት ዲጋታት ፋንኮ ጽሙእ፡ ገርሰትን ከርከበትን ዝሰላሰል ዘሎ ገዚፍ ልምዓታውን ትሕተ-ቅርጻውን መደብ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ንርሑቕ ዝጠመተ - ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ዘተኰረ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ኣነጺሩ።መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ብዝገበሮ

    ገዚፍ ወፍሪ፡ ቀንዲ ማሕንቖ ኮይኑ ዝነበረ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ተዋዲዱ እቲ ጸገም ከምእተቓለለ ዝጠቐሰ ሜጀር ክብርኣብ፡ ኣብ ከባቢታት ሳዋ፡ ኣፍሂምቦልን ኣቑርደትን ንዝሳለጥ ልምዓታዊ መደባት ዘገልግል ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ ኣብ መስርሕ ምውዳድ ከምዝርከብ ኣረዲኡ።ድሮ ዝተፈላለየ ዓይነት ፍረታት፡

    ኣሕምልትን ኣእካልን ይፈሪ ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ብዝካየድ ዘሎ ውሁድ ጻዕሪ እቲ ናይ ልምዓት መደብ እናሰፍሐ ይመጽእ ከምዘሎ፡ ጐኒ-ጐኑ ድማ ፋብሪካ ባናቶም፡ መፍረ ሳልሳ፡ ሓድሽ ትካል ጽርበት ሓጺንን ምድላዉ መግቢ እንስሳን ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

    “ኣብ ጋሽ-ባርካ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ ንጥፈታት፡ መሰረት ብሩህ መጻኢ ኤርትራ’ዩ” ሓለፍቲ ምምሕዳር ዞባ ማእከል

    ዑደተኛታት፡ ኣብ ዝበጽሕዎ ቦታታት ንዝተገብረሎም ኣቀባብላን

    ዝተዋህቦም መብርሂን ድሕሪ ምምስጋን፡ በብከባቢኡ ዝሰላሰል

    ዘሎ ልምዓታውን ትሕተ-ቅርጻውን መደባት ንኽዕወት፡ ሕብረተ-ሰብ

    ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ተላብዮም።

    ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብ“ማሕበር ሕውነት” ዝፍለጡ ተመሃሮ 11 ክፍሊ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ደምበ ሰምበል፡ ካብ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ሕብረተሰቦም ተበጊሶም ብዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ኣብ መእለዪ ዘኽታማት ንዝናበዩ ቈልዑን ህጻናትን ሓገዝ ኣበርኪቶም።ኣብቲ ኣብ መእለዪ ዘኽታማት

    - ጎዳይፍ ዝተኻየደ መደብ፡ እቶም ተመሃሮ ነዚ ቅዱስ ተበግሶ ዝወሰዱ፡ ቅድሚ ናብ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ ምውራዶም ሓደ ኣብነታዊ ተግባር ንምፍጻም ብዘውጽእዎ ውጥን ኮይኑ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ነቶም ተናበይቲ ምዝንጋዕን ሓገዝ ምብርካትን፡ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ማእከል’ውን ማእቶታዊ

    ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ደምበ-ሰምበል፡ ንዘኽታማት ሓገዝ ኣበርኪቶም

    ስርሓት ከምዘካየዱ፡ ኣወሃሃዲት ናይቲ መደብ መምህር ኣስቴር የዕብዮ ንኤሪና ሓቢራ።ርእሰ መምህር ካልኣይ ደረጃ

    ቤት-ትምህርቲ ደምበ-ሰምበል መምህር ዑቕባስላሰ ተወልደ፡ ነቶም ዘኽታማት ዝተዳለወ ህያባት ድሕሪ ምዕዳል ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ እቲ ተበግሶ ውጽኢት ሕልናዊ ድርኺት ከምዝኾነ ጠቒሱ፡ ኣብ መጻኢ’ውን ተመሳሳሊ ተበግሶታት ንኽውሰድ ምትብባዕ ክገብሩ ምዃኖም ኣነጺሩ።እቶም ዘኽታማት ህጻናትን ቈልዑን፡

    ካብ ትካላት መናበዪ ዘኽታማት ጻዕዳ ክርስትያን፡ ሕምብርቲ፡ እምባደርሆን ዓዲጓዕዳድን ዝተዋጽኡ’ዮም።

    ***

    ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ንኡስ ዞባ ከረን ምስ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ምምሕዳር፡ ሃማመተኤን ሃማደኤን ብምውህሃድ፡ “ንኣደ ምትብባዕ ሓልዮት ጥራይ ዘይኮነ መሰል’ውን’ዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንህዝብን ተመሃሮን ኣብ ድሕነት ኣደን ጥዕና ዕሸልን ዘተኰረ ጎስጓስ ኣካዪዱ።ኣብቲ ብ13 ሚያዝያ ኣብ ስታድዩም’ታ

    ከተማ ዝተኻየደ ጎስጓስ፡ ጥዕና ኣደን ዕሸልን ንምሕላው ዝካየድ ንጥፈታት ብኮማዊ ተሳትፎ ንምስማሩ፡ ኣብ ምስፋሕ ሽፋን ክታበት፡ ክትትል ነብሰ-ጾራት፡ ሓገዝ ኣብ እዋን ጥንስን ሕርሲን፡ ምውጋድ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ምውጋድ

    ጨ/ሚኒስትሪ ጥዕና ንኡስ ዞባ ከረን፡ ኣብ ድሕነት ኣደን ጥዕና ዕሸልን

    ዘተኰረ ጐስጓስ ኣካዪዱመርዓ ትሕቲ ዕድመ፡ ምግታእ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ካልእን ዘተኰረ ምንባሩ፡ ሓላፊ ትካላት ጥዕና ኣብቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ድራር ገብርኣብ ገሊጹ።ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ሸፈነ ክትትል ነብሰ-

    ጾራት ብ76 ሚእታዊት፡ ክታበት ህጻናት ድማ ብ80 ሚእታዊት ተረጋጊጹ’ኳ እንተሎ፡ ኣብ ደረጃ ውሕስነት ንምብጻሕ ገና ሓያል ጻዕሪ ዝሓትት ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ድራር፡ ክትትል ቅድምን ድሕሪን ሕርሲ ዘይምክያድ ካብ ጠንቅታት ሞት ኣደን ህጻንን ስለዝኾኑ፡ ህዝቢ ብሓፈሻ

    ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

    ገጽ 3

    ምውላዶ ምዕባይ

    ገጽ 4

    ተራ ወለዲ ኣብ ምሕላው ኣካላዊ ጥዕና ስድራቤት ብኸመይ?

    ገጽ 8

    ኢንተርነትን መሰረታውያን ኣድራሻታትን

    ገጽ 10

    ክዳውንትና ብመንጽር ጥዕናና

    ገጽ 11

    ሃገራዊ ውድድር ትራክን ፊልድን ሲንየር ተዛዚሙ

  • ሓዳስ ኤርትራ 21 ሚያዝያ 2015 - ገጽ 2

    \\\\\\\\\\\\\

    ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

    ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢ

    ብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

    ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

    ቍ.ስ. 200454-07121322ምልክታ

    ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

    መዓልታዊት ጋዜጣ

    ሳምራዊት መለስምስጋና ተዓገስ

    ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

    ለይ-ኣውት

    ንናይ ሕጊ ተኣረምቲ ዝወሃብ ሞያውን ኣካዳምያውን ትምህርቲ፡ ግዜኦም ብግቡእ ክጥቀሙሉን መጻኢኦም ከውሕሱን ዝምስገን ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ፡ ብ14 ሚያዝያ ኣብ ማእከል ምእራምን ተሃድሶን ጸጸራት ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር ተገሊጹ።ኣብቲ ኣዘዝቲ ማእከል ምእራምን

    ተሃድሶን ኤርትራ፡ ዕድመ ዝተገብረሎም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ዕዱማት ኣጋይሽን ናይ ሕጊ ተኣረምትን ዝተረኽቡሉ ሰሚናር፡ ሓላፊ ምምሕዳር ማእከል ምእራምን ተሃድሶን ኤርትራ ሌተናል ኮሎኔል ተወልደ ገብረኣብ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ምሕደራን ኣተሓሕዛን ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ስድራ-ቤታዊ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ኣብ’ቲ ማእከል ኣብ

    ንናይ ሕጊ ተኣረምቲ ዝወሃብ ሞያውን ኣካዳምያውን ትምህርቲ፡ ዝምስገን ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ተገሊጹ

    ዝጸንሑሉ እዋን፡ ኣካዳሚያዊ ዓቕሞምን ብቕዓቶምን ክብ ከብሉን ሞያ ከጥርዩን ሓያል ጻዕሪ ከምዝግበር ኣብሪሁ።ኣብ ማእከል ምእራምን ተሃድሶን

    ጸጸራት ካብ መባእታ ክሳብ 2ይ ደረጃ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ከምዝወሃብ ዝሓበረ ኣዛዚ’ቲ ማእከል ሜጀር ሰመረ ተኽለ ብወገኑ፡ ሞያዊ፡ ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታት’ውን ኣካል መደባቶም ምዃኑ ብምሕባር፡ ተሃደስቲ ንዝተፈጥረሎም ዕድል ኣብ ረብሓኦም ከውዕልዎ ተላብዩ።ወኪል ተኣረምቲ ብግደኡ፡ ዝፈጥረሎም

    ናይ ኣካዳምን ሞያን ባይታ ኣብ መጻኢ ሂወቶም ደራኺ ተራ ከምዘለዎ ብምእማን፡ ብግቡእ ብምጥቃም ዓቕሞም ንምብራኽ ክጽዕሩ ምዃኖም ቃል ኣትዩ።

    ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ዝግበረሎም ሓልዮት፡

    ክንክንን ኣራሚ ምኽሪን መጻኢ ሂወቶም ከማእዝኑ ከምዝሓገዞም ብምጥቃስ፡ ናይ

    ተወዳዳርነት መንፈስ ዘዕቢ መደባት ሓፈሻዊ ፍልጠት ክድፋኣሉ ተላብዮም።

    ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕናሚኒስትሪ ጥዕና ካብ 22 -26 ሚያዝያ ክታበት ንፍዮን ዕደላ

    ቪታሚን ኤን ብደረጃ ሃገር ኣብ ኩለን ዞባታት ከካየድ ኢዩ። ክታበት ንፍዮ ካብ ትሽዓተ ወርሒ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት

    ዝዕድሚኦም ህጻናት ክወስዱ ስለዝኾኑ፡ ደቅና ኣብቲ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ክታበት ዘመተ መዓልታት፡ ኣብ ጥቓና ዘሎ ትካል ጥዕና ወይ ግዝያዊ ዝቖመ ናይ ክታበት ነቑጣ ወሲድና ነኽትቦምን ቫይታሚን ኤ ከም ዝወስዱ ንግበርን። ሕማም ንፍዮ ብኽታበት ክንከላኸሎ እንኽእል ተላባዒ ሕማም

    ኢዩ። ኣብ እዋኑ እንተዘይተሓኪሙን ክታበት እንተዘይወሲዱን ድማ ከም ዑረት፡ ምጽማም እዝኒ፡ ረኽሲ ሳንቡእ ኣበጊሱ ከቢድ ስንክልናን ሞትን ከስዕብ ዝኽእል ሕማም እዩ።ምውሳድ ቫይታሚን ኤ ድማ ብዙሕ ረብሓታት ኣለዎ፣ ንኣብነት፡ ሕማም ናይ ምክልኻልን ምጽዋርን ዓቕሚ የሕይል ካብ ጋህምን ዑረትን ይከላኸል፡ ከምኡ’ውን ንዕብየት ቈልዑ ይሕግዝ። ስለዚ ኩሉኹም ወለድን መቕርብን ደቅኹም በዚ ኣብ ላዕሊ

    ዝተጠቕሰ ዕለታት ናይ ንፍዮ ከም ዝኽተቡን ቫይታሚን ኤ ከምዝወስዱን ክትገብሩ ንሕብር።

    ሚኒስትሪ ጥዕና

    መንእሰያት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ጨንፈር ከተማ ከረን፡ ንቕሓቶም ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መዳያት ብምብራኽ ውዳቤኦም ንምሕያል ክሰርሑ፡ ኣብ ጨንፈር ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ ሓላፊ ኣሃዱ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ ኣቶ መርሃዊ ዘርኣይ ኣዘኻኺሩ።ምስኣቶም ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ኣቶ

    መርሃዊ፡ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ፡ ነቲ “ብኹለንትንኡ ብቑዕ መንእሰይ ምህናጽ” ዝብል

    መንእሰያት ሰራሕተኛታት ከተማ ከረን፡ ሃገራዊ መደባት ንምዕዋት ንውዳቤኦም ብኣድማዕነት ክሰርሑሉ መዘኻኸሪ ቀሪቡ

    መሪሕ ተልእኾኡ ክውን ንምግባር፡ ንመንእሰያት ብዓውድን ሞያን ብምውዳብ፡ ዝምባለኦም ዘለልዩሉን ኣበርክቶኦም ዘዕዝዙሉን ባይታ ኣብ ምጥጣሕ ይነጥፍ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ተዳኺሙ ዝጸንሐ ውዳቤኦም ኣሐዪሎም ንቡር ንጥፈታቶም ከሰላስሉን ምትሕብባር ኩሎም ኣካላት መንግስቲ ክሕይልን ጸዊዑ።ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ መንእሰይ

    ኣዛዚ በረኸትኣብ ብግደኡ፡ መንእሰያት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተመኲሮ ዘለዎም ብምዃኖም፡ ውዳቤኦም ተበራቢሩ ብድሌትን ተበግሶን ክነጥፉን ተመኲሮኦም ናብ ንኣሽቱ ወለዶ ከሰጋግሩን ተላብዩ።ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ውዳቤ

    መንእሰያት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንምምዕባል፡ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ስልጠናታት ክወሃብን ስፖርታዊ ንጥፈታት ክድንፍዕን ኣዘኻኺሮም።

    ኣዴታት ድማ ብፍላይ ነዚ ተገንዚበን ናብ ትካላት ጥዕና እናተመላለሳ ኩነታት ጥዕናአንን ጥዕና ዕሸለንን ክከታተላ ተላብዩ። ካብ ኮሚተ ጎስጓስ ድሕነት ኣደን ጥዕና

    ዕሸልን ወይዘሮ ለተንጉስ ኣብርሃ ብወገና፡ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ኣብ መዳይ ጥዕና ኣመዝጊባቶ ዘላ ዓወት ውጽኢት ናይ’ዚ ብመሪሕነት ሚኒስትሪ ጥዕናን ውህደት መሻርኽትን ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝኾነ ጠቒሳ፡ ህዝብን ተመሃሮን ንኡስ ዞባ ከረን ኣፍልጦኦም ብምዕባይ ተራኦም ከዕዝዙ ጸዊዓ።ኣብቲ ዕለት፡ ንኣገዳስነት ድሕነት ኣደን

    ጥዕና ዕሸልን ዘንጸባርቑ መሰናድኦታት ከምዝቐረቡ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢራ።

    ጨ/ሚኒስትሪ ጥዕና ንኡስ ዞባ ከረን፡ ኣብ ድሕነት ...

    ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

  • ሓዳስ ኤርትራ 21 ሚያዝያ 2015 - ገጽ 3

    ሕቶ፣= ሓደ ሰብ ብኸቢድ ተሃሪሙ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ወዲቑ ኣብ መንገዲ ምስ ዝጸንሓካ፣ ሂወት ንምድሓንን ንምትሕብባርን ኢልካ ንፖሊስ ምስ እተመልክት፣ ፖሊስ ትቕብል ኣቢሎም፣ “ሃራሚ ኹን ወይ ሃራሚ ኣምጽእ” ብምባል ተሓታቲ’ዮም ዝገብሩኻ ዝብል ካብ ብዙሓት ክደጋገም እሰምዕየ’ሞ - ሓቅታት ኣለዎ ድዩ?

    መስፍን መዓሾ ካብ ባረንቱ መልሲ፣= ሓደ ካብ ዓበይቲ ዕማማት ፖሊስ ኤርትራ ገበንን ሓደጋን ምክልኻል’ዩ።

    ምክልኻል ገበንን ሓደጋን ድማ ብተሳትፎ ህዝቢ’ዩ ዝረጋገጽ። ፖሊስ ትዕበ ትንኣስ ካብ ህዝቢ ንዝቐርበሉ ሓበሬታ ይኹን ጥርዓን ተቐቢሉ ኣብ ምጽራይ ጉዳያት ይኹን ኣብ ምክልኻል ገበንን ሓደጋን’ዩ ዝጥቀመሉ። እቶም ዝኸፍአ ከይመጸ ብእዋኑ ዝሕብሩን ዝተሓባበሩን ኸኣ ኩሉ ግዜ ምስጉናት’ዮም። ብዓቢኡ ድማ ሰብ ዝኣክል ሓደጋ በጺሕዎ ወይ ኣብ ልዕሊኡ ገበን ተፈጺሙ፣ ወይ’ውን ሓሚሙ ትኽእሎ ዘበለ ሓገዝ ምሃብ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንፖሊስ ምሕባር መርኣያ ብስለትን ጭውነትን ናይ’ቲ ሰብ’ዩ። ካብቲ ንኾርዓሉ ክብርታትና ድማ ንሱ’ዩ።ንዝተጸገመ ወይ ንዝሓመመ ዝሃብካዮ ደገፍን ምትሕብባርን ፖሊስ ትቕብል

    ኣቢሉ “ሃራሚ ኹን ወይ ሃራሚ ኣምጽእ” ብምባል ተሓታቲ ኣይገብረካን’ዩ። ምናልባት ፖሊስ፣ ውጽኢት ገበን፣ ሓደጋ ወላስ ሕማም ፈልዩ ንምልላይን ምስ ካልእ ጉዳያት ምትእስሳር ከይህልዎ ሓበሬታ ንምርካብን ክሓትትን ክውከስን ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ ከም መቐጸልታ ናይቲ ንስኻ ትገብሮ ዘለኻ ምትሕብባር ዝካየድ ሕቶን መልስን’ምበር ንዝተሓባበረት ወይ ዝተሓባበረ ተሓታቲ ዝገብር ኣይኮነን።

    ብሜ/ንርኣዮ ተኽለ (ኣንዋር)

    ዮርዳኖስ ተስፉ ትበሃል። ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ጓል 26 ዓመት መንእሰይ’ያ። ዮርዳኖስ ሳላ ርሑሳት ወለዲ ዝብላዕን ዝርገጽን ኣይሰኣነትን። ብጥንቃቐን ሕንቃቐን ኢያ ዓብያ። ብናይ ወለዳ ምትብባዕን ናታ ብልሕን ተደማሚሩ ድማ ኣብ ትምህርታ ንፍዕትን ዕውትቲን ነበረት። ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ትምህርታ ብምስጉን ውጽኢት ሰጊራቶ።ዮርዳኖስ ኣብ ዝቐጸለ ዕድመኣን

    ትምህርታን በቲ ዝጀመረቶ ናህርን ድሌትን ክትቅጽል ኣይከኣለትን። ኣብ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ዝነበራ ብልጫ ኣብ ዝቐጸለ ግን ተቐይሩ። ኣብ ትምህርቲ ዘለዋ ድሌት ጥራይ ኣይኮነን ተቐይሩ። ኣብ ጠባያ’ውን ተቐይራ። ዝበዝሕ ግዜኣ ኣብ ክንዲ ትምህርቲ ኣብ ዘይረብሕ ዙረት ክተሕልፎ ጀሚራ።እቶም ከም ብሌን ዓይኖም ዝርእይዋን

    ዝከናኸንዋን ወለዳ ጠባያ ከም ዝተቐየረ እኳ ይዕዘቡ እንተነበሩ ደፊሮም ክእርምዋስ ኣይከኣሉን። ዮርዳኖስ ኣበይ ውዒልኪ፣ ሓዲርኪ፣ ኣምሲኺ፣ ደንጒኽን ቀልጢፍክን ዝብሉ ኣቦን ኣደን ኣይረኸበትን። ኣብቲ ሓሓሊፎም ዝህብዋ ዝነበሩ ምኽርን ሓበሬታን ድማ ነቲ ዘይለመደቶን ዘየዕበያን ምኽርን መግናሕትን ወለዳ ክትጻወሮ ስለ ዘጸግማ ብሕርቃን ትምልሰሎም ነበረት። ጠባይ ዮርዳኖስ ጨሪሹ ተቐይሩ።

    ትምህርታ’ውን ኣቋሪጻ። ኣብ ገዝኣ ካብ ትሓድረሉ ዘይትሓደረሉ በዚሑ። ምስ ወለዳ’ውን ክትሳነ ኣይከኣለትን። ኣይደንጎየትን ኣብ ናይ ወልፍን መስተን ዓለም ኣትያ። ወለዲ ተዛሪቦም ክመልስዋን ከስምዕዋን ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ በጺሓ። ካብ ገዝኣ ወጺኣ ምውዓል ሓሊፉ ምቕናይ መጺኡ። ዮርዳኖስ ኣብ መጋቢት 2014 ኣብ

    ምውላዶ ምዕባይ

    ነብሳ ቅድሚኡ ዘይትፈልጦ ስምዒትን ምልክትን ኣስተብሃለት። ቀጻሊ ክትሓምም ጀመረት። ነቲ ዝነበራ ቀጨውጨው መዓገሲ መድሃኒት እኳ እንተወሰደት ክትመሓየሽ ግን ኣይከኣለትን። ኩነታት ጥዕናኣ ንምርግጋጽ ምሉእ

    መርመራ ሕክምና ኣካየደት። ካብቲ ኣዝዩ ኣፍሪሑዋ ዝነበረ መልከፍቲ ኤች ኣይቪ ኤድስ ናጻ ኮይና ሓጎስ እኳ እንተተሰመዓ ጥንሲ ከም ዘለዋ ተሓበራ። ዘይመደበቶን ዘይተዳለወትሉን ስለ ዝነበረ ግና ኣይተቐበለቶን።ምስ ዓርካ ብምዃን ጥንሲ ዘቋርጸሉ

    መንገዲ ሃሰው ክብሉ ጀመሩ። ነጸልቲ ንምርካብ ብሓንሳብን በብወገኖምን ተጓየዩ። ካብ ሰባት ብዝረኸብዎ ሓበሬታ መሰረት ሓደ ግዜ ጊንዳዕ ካልእ ግዜ መንደፈራ ኣቢሎም ተጓዕዙ። ድሕሪ ነዊሕ ኮለል ኣብ ኣስመራ ኪዳን መሓረና እትበሃል ጥንሲ ትንጽል ከም ዘላ ሰምዑ’ሞ ነ’ስመራ ተመልሱ።ንኺዳን ብመንገዲ ሳልሳይ ኣካል ወይ

    ደላሊ ረኸብዋ። ሕቶኦም ሰሚዓ ክትንጽለላ ከም ትኽእል ናይ ኢዳ ግን 3500

    ናቕፋ ክኸፍልዋ ምዃኖም ሓበረቶም። ብኸመይ ካብቲ ገጢምዎም ዘሎ ጥራይ ትገላገል’ምበር ነቲ ዝተባህሎም ክኸፍሉ ጸገም ከም ዘይብሎም፣ እኳ ደኣ ሰሊጣን ተገዲሳን ንኽትንጽለላ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝተባህልዎ መጠን ገንዘብ ብላዕሊ 500

    ናቕፋ ወሲኾም 4000 ናቕፋ መሊኦም ሃብዋ።ዮርዳኖስ ብመሰረት ቆጸራኣ ብዓርካ

    ተሰንያ ኣብ ገዛ ነጻሊት በጽሐት። ዓርካ ኣብ ደገ ኮይኑ ኣብታ ሰለስተ ብሰለስተ ዘይትኸውን ጸባብ ክፍሊ ኣተወት። እንተ ኣብቲ ገዛ ዝጸንሐ ሕማቕ ጨና እንተ ምስ ጥንሲ ብዝተኣሳሰር ሕማም ተምላስ ደው ምባል ኣበያ። ነጻሊት ኣይደንጎየትን ናይ ኢንፍጅን ጎማ፣ ድርቅን በሊሕ መሳልን ተጠቒማ ፈተነት። ሓንሳብ ክትጽመም ከም ዘለዋን ደም ክፈስስ ምዃኑን መምርሒ ሂባታ ምሳሓ ከተዳሉ ፈርነሎን ፈሕምን ከተዳሉ ጀመረት። ከምቲ ዝተባህለ ደም ክፈስስ ጀመረ፣ ማዕረ-ማዕሪኡ ግን ክትጻወሮ ዘይትኽእል ቃንዛ ኣጋጠማ። ኪዳን እኸደልኪ ስለ ዘሎ እናበለት ኣብ ክንዲ ተቐላጢፋ ኣብ ረድኤት ትረኽበሉ ቦታ ተብጽሓ ግዜ ወሰደት። ምስ’ቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደም ተወሲኹ ሓይላ ደኸማ። ኣይደንጎየትን ሃለዋታ ኣጥፊኣ ኣብ ሃለፍታ

    ኣተወት።እትረኽቦ ዘይረብሕ ገንዘብ’ምበር ብዛዕባ

    ሳዕቤኑ ዘይትግደስ ኪዳን ምሓረና ኩነታት ዮርዳኖስ ርእያ ሸገርገር ክትብል ጀመረት። ኩነታት ዮርዳኖስ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ሰዓታት ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍአ ከደ። ኪዳን ንዓርኪ ዮርዳኖስ ክትጽውዕ ናብ ደገ ወጸት ወዮ መፍቀርን ኣማንን ኮይኑ ዝተመርጸ መንእሰይ ግና ኩነታት ዮርዳኖስ ልክዕ ከም ዘየለን ከም ዝተወጽዐትን ምስ ረኣየ በዚ ከደ ዘይብሉ ተሰወረ።ኪዳን ብተግባር ናይ ዓርኪ ዮርዳኖስ

    ተገረመት። ዮርዳኖስ ምስ ነፍስ-ወከፍ ዝሓለፈት ደቒቕ እናበርትዓ ከደ። ስግኣት ኪዳን ብኡ መጠን ወሰኸ። ጎረባብቲ ክትጽውዕ ድማ ተገደደት። ተሓጋጊዞም ድማ ንሕክምና ኣብጽሕዋ። ሓካይም ህይወት ንምድሓን ዝከኣሎም ፈጺሞም። ይኹን’ምበር ኣብ ልዕሊ ዮርዳኖስ ዝወረደ ማህሰይትን ጎነጽን ከቢድ ብምንባሩ ድሕሪ ናይ ዝተወሰነ ሰዓታት ስቅያት ዮርዳኖስ ዓሪፋ።

    እሞ’ኸ ድኣ ካብ መን፣ ኣበይን መኣስን’ዩ እቲ ጸገም? ምውላድዶ ምዕባይ!?

    ዮሃንስ ክፍሎም

    ትካላት መንግስቲ ንህዝቢ ግቡእ ኣገልግሎት ንኽህባ ብመምርሒታት መንግስቲ ዝቖማ ኣካላት ወይ መሓውር መንግስቲ’የን። እዘን ግቡእ መጽናዕትታት ብምግባር መካየዲ ሕጋጋት ተሰሪዑለን ንጉዳያት ህዝቢ ከሳልጣ ዝተመስረታ ትካላት፣ ነፍሲ ወከፈን ምስ ጠባያት ስርሐንን ዝህበኦ ኣገልግሎትን ዝኸይድ ኣማእዛኒ ውሽጣዊ ሕጋጋት ኣለወን። በዚ ሕጋጋት ድማ ግቡኣትን መሰላትን ሰራሕተኛታተን የኽብራ። ነፍሲወከፍ ሰራሕተኛ ካብ ስዓታት ስርሑን ዕረፍቱን ክሳብ ኣቀባብላ ተገልገልትን ምስላጥ ስራሕን ናይ ትካሉ መምርሒ ስራሕ ፈሊጡ’ዩ ዝጎዓዝ። ኣፍልጦኡ መሰሉ ንኸይጠሓስን መሰል ካልኦት ንኸይጥሕስን ይሕግዞ። ብፖሊሳዊ ኣረኣእያ እዚ ቅድመ ምክልኻል ገበን’ዩ። ትካላት መንግስቲ ግቡእ መምርሒታት ስራሕን ስርዓተ ሕጊ ካብ ሃለወን ሰራሕተኛታተን ካብ ምጥሓስ ሕግን ገበናዊ ተሓታትነትን ናጻ ድዮም? ዝብል ሕቶ መዛረቢ ኣርእስትና’ዩ።መዛግብቲ ፖሊስ ከም ዝሕብርዎን ኣብ

    መራኸቢ ብዙሃን ፖሊስን ብተደጋጋሚ ከም ዝተገልጸን ዝተፈላልያ ትካላት መንግስቲ ኣብ ምክልኻል ገበናዊ ተግባራት ሰራሕተኛታተን ድኻማት ከምዘርእያ’ዩ። ከም ሳዕቤኑ’ውን ንብረት ህዝብን መንግስትን ዝዘረፉ ዘይሓላፍነታውያን ውልቀሰባት ብገባናዊ ተግባራቶም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም’ዮም። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ሓታትን ተሓታትን ዘሎ ገመድ ብምዝላቑ ዝስዕብ’ዩ። ስርዓተ ኣካይዳ ሓደ ሰራሕተኛ ካብ ኣካይዳ ኣስራሒኡ’ዩ ዝብገስ። ጉድለት ሰራሕተኛታት ኣብ ዘጋጥመሉ’ምኣር፣ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ጉድለት ኣስራሕቲ’ዩ ዝንጸባረቕ። ልጓሙ ዝፈታሕካሉ ፈረስ ከም ድልየቱ ክዕንድር ንቡር ስለዝኾነ። ተራ ትካላት መንግስቲ ኣብ ምክልኻል

    ገበን’ምበኣር ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ስራሓት ምክልኻል ገበን ኮይኑ ኣካየድቲ ስራሕ ዝያዳ

    ተራ ትካላት መንግስቲ፡ ኣብ ምክልኻል ገበን

    ሓላፍነት ዝወስድሉ’ዩ። ዝያዳ ንቕሓት ንምፍጣር፣ ከመይ ዝበለ ንጥፈታት ዘካይዳ ትካላት’የን ዝያዳ ጥንቃቐን ምቁጽጻርን ክገብራ ዝግብአን፣ እቶም ሕጊ እናጥሓሱ ዘይግብኦም ረብሓን ክረኽቡ ዝፍቱኑን ብዘይጠስሞም ወለል ዝብሉንከ ከመይ ዝበለ ሜላታትዮም ዝጥቀሙ ንዝብል ሕቶ፣ኣብ መብዛሕትኡ፣ ምስ ዕድግን

    መሸጣን ዝተኣሳሰሩ ሰራሕተኛታት፣ ኣብ ኣገልግሎት ወሃብቲ ዝሰርሑ፣ ኣብ ኣካላት ሕሳብ ዝተዋፈሩ፣ ኣብ ህንጻን ምስናዕን ዝተዋፈሩ፣ ሕግን ስርዓትን ከኽብሩ ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት፣ ኣብ ምእካብ ግብሪ መንግስቲ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት፣ ዓቀብቲ ንብረትን ሓለዋታት መኽዘንን … ወዘተ ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ንስሕውን ፍንውን ኣተሓሕዛ ሓለፍቶምን ድኹም ወቕታዊ ምቁጽጻር ትካሎምን መዝሚዞም ኣብ ገበናት ክወድቁ ይረኣዩ። ሜላ እዞም ኣብ ከምዚ ገበናት ዝዋፈሩ፣

    ዘይተዓደገ ንብረት ከም ዝተዓደገ ኣምሲልካ ዘይግቡእ ሰነድ ምቕራብ፣ ሓደ ናይ ዕድጊ ኣካል ነቲ ሓቀኛ ዋጋ ገዲፉ ምስ ሸየጥቲ ትካላት ብምስምማዕ ልዕሊ ዋጋኡ ሰነድ ከምዝጽሓፈሉ ምግባር፣ ግቡእ መዝገብ ኣታውን ወጻእን ከይገበርካ ንብረት ምእታውን ምውጻእን፣ ንበዓል ስልጣን ፍሉይ ሓለፋ እናገበርካ ካብ ራዳር ቁጽጽሩ ምውጻእ ወዘተ ኣካይዳ ይጥቀሙ። ነቲ ሓንሳብ ዝተጋገይዎ ኣብ ክንዲ ምእራም ድማ ዘይጨዎም እናመቀሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ጌጋታቶም እናወሰኽሉ ይኸዱ። ዘይገንዘቦም ኣልዒሎም ዘይንሶም ክመስሉ ይፍትኑ። ዘይዓቐኖም ኣካይዳ ይኸዱ። ጌጋታቶም ንምሕባእ ትሪ ኣዘራርባን ፈልጥና እናበሉ መሰረት ዘይብሉ ወረታትን ድኻማትን ሓለፍቶም ይዝርግሑ። ኣብ ግዜ ምኽሻሕ ተዓዘብቲ “እቲ ሓላፊኡ ዘይጠዐየዶድኣ ንሱ ክጥዕይ” እናበሉ ንኸውርይሎም ብምሕሳብ’ውን ቀቀንዱ ንዐኦም ወሲዶም ጸጽራሩ ግን ብዝተፈላለየ መንገድታት ንሓለፍቶም ከጥዕሙ

    ዝፍኑ’ውን ኣለው። ኮሊልካ ኮሊልካ ኣበይ በጻሕካ ንዝብል ግን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪብካ ብሕጊ ኣብ ምትሕታትን ካብ ስራሕ ደው ኢልካ ዘወን ምባልን’ዩ። ምኽንያቱ፣ ገንዘብ ህዝብን መንግስትን ዘለዓዓለ ክሰርቕ ኣይድቅስ ምስተፈልጠ’ውን ኣይድቅስ ስለዝኾነ።ሰራሕተኛ ሓንቲ ትካል ብገበን ኣብ

    ዝሕተተሉ’ምበኣር፣ ዋላ’ኳ መጀመርታ ሕፍረት ንነብሱ እንተኾነ እቲ ብሓላፍነት ወይ ብተቖጻጻርነት ዝተመደበ ውልቀሰብ’ውን ካብ ወቐሳ ኣይድሕንን’ዩ። ምኽንያቱ፣ ብግቡእ ከመሓድርን ምጥፍፋእ ንኸይህሉ ክቆጻጸርን ኣብቲ ቦታ ስለዝተመደበ። ከም ሳልሳይን ብዓቢኡን ድማ እቲ ትካል ብሰንኮፍ ዓቕሚ ምቁጽጻሩን ብቑዕ ሰብ ኣብ ዝግብኦ ቦታ ዘይምምዳቡ ይንቀፍን ተኣማንነት ትካሉ የጉድልን። ስለዚ፣ ተራ ትካላት መንግስቲ ኣብ

    ምክልኻል ገበን ንኽዓቢ መጀመርታ ንቕሓት ኣካየድቲ ስራሕ ትካላት ክዓቢ ይግብኦ። ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ግቡእ ምቁጽጻር ምግባር፣ ግዜኡ ዝሓለወ ቁጽጽር እታውን ውጻእን ምህላው፣ ኣብ ግቡእ ቦታ ብቑዕ ሰብ ምምዳብ፣ ወጀሃላይን ስርዓቱ ዘይሓለወን ኣተሓሕዛ መዛግብቲ ዘይምጥቃም፣ ቅብሊታት ብግቡእ ዝተጻፈፉን ሕጋውነት ዘለዎም ምዃኖምን ምርግጋጽ፣ ንሰራሕተኛታትካ ብግቡእ ምፍላጥን ዝመጽእ ዘይንቡር ለውጥታት ብኣንክሮ ምምርማርን ምስ ፖሊስ ምምኽኻርን … ወዘተ፣ ፖሊስ ካብ ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ ዝጽበዮ ንጥፈታት ምክልኻል ገበን’ዩ። ጉድለት ምስ ኣጋጣመ ኣጻብዕቲ ኢድካ ናብ ካልኦት እናኣመልከትካ “ንእከለ’ዩ ዝምልከት፣ እከለ’ዩ ዝቆጻጸራ ኔሩ፣ ስቕ ኢሎም ክርእዩዎ ጸኒሖም’ምበር ይሰርቕ ምንባሩ ድኣ ኩሉ እንድዩ ዝፈልጦ ኔሩ” እናበልካ ካብ ተሓታትነት ክትሃድም ካብ ምፍታትንን ዝስዕብ ኮለልን ገበን ከይተፈጸመ ከሎ ንምክልኻሉ ሕግን ስርዓትን ትካላት ብትሪ ክጸንዕ ይግባእ።

    ሕቶ ኣንበብቲወይ ሃራሚ ኹን ወይ ሃራሚ ኣምጽእ

    ህይወት ዮርዳኖስ ካብ ዝወሰደ መሳርሒታት

  • ሓዳስ ኤርትራ 21 ሚያዝያ 2015 - ገጽ 4

    “ቀዲምካ ምድቃስ ጥዕና ሂቡ ጭንቀት ዘጉድል’ዩ’’ መጽናዕቲ

    ኣቐዲምካ ምድቃስ ኣብ ኩሉ ዕድመ ንዝርከብ ሰብ ጥዕና ከምዝህብ ዝስሓት ኣይኰነን።

    ብፍላይ ግን ነቶም ኣብ ዕድመ ኩትትና ዝርከቡ መንእሰያት ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ዕድመ ኩትትና ወይ ጉርዝውና ብባህሪ ደንጒኻ ናይ ምድቃስ ልምዲ ስለ ዘሎ’ዩ። በዚ መሰረት ቀዲሞም ዝድቅሱን ቀልጢፎም ዝትንስኡን ወርጠበታት ዝተማልአ ጥዕና

    ከምዝውንኑ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ድማ ብግቡእ ከምዝዓሙን ሓቢሮም። እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ 2,200 ወርጠበታት ዝተሳተፍዎ ኮይኑ ናይ ድቃስ ልማዶም፡ ክብደቶምን ኣጠቓቕማ ግዜኦምን ዝፈተሸ’ዩ ነይሩ። ኣብቲ መጽናዕቲ ልዕሊ ንቡር ክብደት ዘለዎም (ከራሻት) ወርጠበታት ክንደይ ካብ

    ግዜኦም ተለቪዥን ኣብ ምዕዛብ ከምዘሕልፍዎ ተመርሚሩ’ዩ። በዚ መሰረት ከራሻት ወርጠበታት ቅድሚ ናብ ዓራት ምኻዶም ክቱር ተለቪዥን ናይ ምርኣይ ልምዲ ስለዘለዎም ኣብ ድቃስ ከም ዝድንጉዩ ተገሊጹ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ፡ ብፍላይ ናይ ድቃስ ጸገማት ዘለዎም ወይ ብስእነት ድቃስ ዝሳቐዩ ወርጠበታት ቅድሚ ምድቃሶም ተለቪዥን ከይርእዩን ኢንተርነት ከይጥቀሙን እቶም ተመራመርቲ መኺሮም። ብዘይካ’ዚ ኣብቲ መጽናዕቲ፡ ወርጠበታት ቅድሚ ናብ ዓራት ምኻዶም ግዜኦም ብኸመይን እንታይ እናገበሩን የሕልፍዎ፡ ጥዕና ዘለዎን ዘይተኾላላፊን ሰዓታት ድቃስ ንኸህልዎም ቀንዲ ምኽንያት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።እዚ ማለት ቅድሚ ምድቃሶም ዝገብርዎ ንጥፈታት ንናይ ድቃስ ኩነታቶም ብቐጥታ

    ዝጸልዎ ምዃኑ’ዩ። ስለዚ፡ ምሉእ ጥዕናን ዕረፍቲን ዘለዎ ሓንጎል ክውንኑ እንተድኣ ኮይኖም፡ እቲ ቀዳማይ ምርጫ ቀልጢፍካ ናይ ምድቃስ ልምዲ ከማዕብሉ ከም ዘለዎም’ዩ። ብካልኣይ ደረጃ ድማ ቅድሚ ምድቃሶም ዘሎ ግዜ ብኸመይ የሕልፍዎ ቁጽጽርን ክትትልን ክግበረሎም ይግባእ። ከራሻት ወርጠበታት፡ ኣብቲ ዘለዎም ጸገም እኹል ድቃስ ምስ ዘይረኽቡ እቲ ሳዕቤን ዝገደደ ስለዝኸውን፡ ደንጉዮም ንኸይድቅሱን ስሩዕ ናይ ድቃስ ሰዓታት ከምዝህልዎም ኣብ ምግባር ልዑል ናይ ወለዲ ተራ ከም ዘድሊ እቲ መጽናዕቲ ኣዘኻኺሩ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ፡ ደንጒኻ

    ምድቃስ ንወርጠበታት ግዳይ ጸቕጢ ከምዝገብሮም ብምሕባር፡ ቀዲምካ ምድቃስ ዝተማልአ ጥዕና ሂቡ ንዝነበረካ ጭንቀት ከምዘጉድል ይሕብር። እኹል ድቃስ ዘይረኸበ ሓንጎል ክመራምር ይኹን ዕውትን ዝተማልአን ዕዮ ክፍጽም ስለዘይክእል፡ ወለዲ፡ ናይ ወርጠበታት ደቆም ናይ ድቃስ ሰዓታት ክቆጻጸርዎን ብዝተኻእለ ቅድሚ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ምሸት ከምዝድቅሱ ክገብርዎምን ኣተሓሳሲቡ።

    ቈልዑ መዓልታዊ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሐ ፍኹስ ዝበለ ኣካላዊ ምንቕስቓስ የድልዮም’ዩ። እዚ ዝተማለአ ጥዕናን ኣካላዊ ቁመናን ከምዝህልዎም ይገብር። እንተኾነ ዝበዝሑ ቈልዑ ከምዚ ዓይነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክረኽቡ ዕድል ኣይረኽቡን’ዮም። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ዝበዝሕ ግዜኦም ኣብ መጠኑ ዝሓለፈ ምዝንጋዓት፡ ተለቪዥን ኣብ ምዕዛብ፡ ኮምፒዩተር ኣብ ምጥዋቕን ናይ ቪድዮ ገይም ኣብ ምጽዋትን ከምዘሕልፍዎ መጽናዕትታት ይሕብሩ። ዝበዝሑ ቈልዑ ግዜኦም ኣብ ጸወታ፡ ንጥዕናኦም ኣብ ዝሃሲን ኣተሓሳስባኦም ኣብ ዘልምስን ናይ ኮምፒዩተርን ተለቪዥንን ምዕዛብ

    ተራ ወለዲ ኣብ ምሕላው ኣካላዊ ጥዕና ስድራቤት ብኸመይ?

    ዘሕልፉዎ ብሰንኪ ዘይግቡእ ኣልያ ናይ ወለዶም ምዃኑ ከኣ ክኢላታት ማሕበራዊ ሂወት ብቐጻሊ ዘማርሩሉ ጉዳይ’ዩ። ስለዚ ወለዲ ንጥዕና ዝጠቅም

    ኣካላዊ ምንቅስቓስ ደቆም ንኽገብሩ ኣብ ዘተባብዓሉ ግዜ ፈለማ ክወስድዎ ዘለዎም ስጉምቲ ተለቪዥንን ናይ ምዕዛብ ግዜ ምቁጽጻር’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ብድሕሪ’ዚ ናብዞም ጥዕና ቈልዑ ኣብ ምውሓስ ክሕግዙ ዝኽእሉ ነጥብታት ብምስጋር ናብቲ ዝድለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስጋር ይከኣል፦ • መደብ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፦

    ስድራቤት እተካይዶ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ሓደ፡ ልሙድን ዘይቅየርን ኣካዪዳ ክኽተል

    ኣይግብኦን። መዓልታዊ ምንቅስቓስ እተካዩደሉ ስሩዕ መደብ ግን ክህሉ ኣለዎ። ኣካላዊ ምንቅስቓስ እተካዩደሉ ፍሉጥ ሰዓታት ምኽታል፡ ወለዲን ደቆምን ሓደ እሩም ኣካዪዳ ተኸቲሎም ንኸሰላስልዎ ይሕግዝ። ስለዚ፡ ምስ ትምህርቶምን ናይ ዕረፍቲ ግዜኦምን ኣብ ግምት ብምእታው ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘካይድሉ መደብ ምውጻእ ወለዲ ክዝንግዕዎ ዘይብሎም ቀዳማይ ስጉምቲ ክኸዉን ኣለዎ።• ኣብ ቤት ትምህርቲ

    ዝካየድ ስፖርት ምድጋፍ፦ ዝበዝሑ ወለዲ ነቲ ኣብ ቤት ትህምህርቲ ዝወሃብ ናይ ስፖርቲ ትምህርቲ ኣይጸቕጡሉን’ዮም። ብሰንኪ’ዚ ድማ ቈልዑ ኣብ ኣካላዊ ትምህርቲ (ስፖርት) ዝህልዎም ተገዳስነት ይጎድል። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ሸለልትነትን ትህኪትን የርእዩ። ስለዚ፡ ወለዲ ምስ መምህራን ናይ ስፖርትን ኣመሓደርቲ ናይ ቤት ትምህርቲን ርክብ ክህልዎም ይግባእ። • ንስፖርታዊ ምዝንጋዕ

    ዝኸውን ግዜ ምፍላይ፡ እዚ ኣብ ቀዳመ ሰንበትን ስራሕ ኣብ ዘይብልካ መዓልታትን ዝትግበር ኮይኑ፡ ብሽክለታ ብምዝዋር ይኹን ካልእ ስፖርታዊ ንጥፈታት

    ብምክያድ ፍኹስ ዝበለ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ክካየድ ይከኣል። ስድራቤት ብምሉኣ ምስ እትጽንበሮ ድማ ዝያዳ ኣድማዒ ይኸውን፣ ነቶም ቈልዑ’ውን ኣብ ስፖርት ዝህልዎም እወታዊ መረዳእታ ንኸዕብዩ ይሕግዞም።• ኮማዊ መዘናጊዒታት

    ምጥቃም፦ ስድራ-ቤት ጥዕናኣን ጥዕና ደቃን ንምሕላው ኣብ እትገብሮ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ኣብ ከባቢኣ ንዝርከቡ ማእከል መዘናጊዒታት ክትጥቀመሎም ጽቡቕ’ዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳታት ከምኡ’ውን ከም ማሕበር ምሕንባስን ጉያን ዝኣመሰሉ ኣብ ማሕበራት ስፖርት ክትጽንበር ኣለዋ። • ጎረባብትኻ ከም

    ዝጽንበሩኻ ምግባር፦ ስድራቤት ኣብ ከባቢኣ ዝርከቡ ስድራቤታትን

    ደቆምን ኣብቲ ጥዕናኣ ንምሕላው እተካይዶ ስፖርታዊ ንጥፈታት ንኽሳተፉ ክትውድቦም ኣለዋ። ከም

    ጸወታ ኩዕሶ እግሪን ዝላ ገመድን ዝኣመሰሉ ንቘልዑን ዓበይቲን

    ዘዘናግዑን ዝምስጡን ንጥፈታት ውድድር ሰሪዓ ከተካይድ ይግባእ።

    • ሳዕሲዒት፦ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ቈልዑ ሳዕሲዒት ይፈትዉ’ዮም። ስለዚ ወለዲ፡ ቈልዑ ወይ መንእሰይ እንከለው ዝፈትዎምን ዝነበሩ ደርፍታት ተጠቒሞም ደቆም ከም ዝስዕስዑ ክገሩ ኣለዎም። ነቶም ቈልዑ’ውን ድሌትን ቃሕታኦምን ንኸካፍሉ ዕድል ክወሃቡ ይግባእ። በዚ ሜላ’ዚ ስድ-ራቤት ንጥዕናኣ ዝሕግዝ ፍኹስ ዝበለ ስፖርታዊ ምቅስቓሳ ከተካይድ ትኽእል። ቈልዑ ኣካላዊ ምንቅስቓስ

    ዘካይድሉ ስፖርታዊ ንጥፈታት ምልላይ፦ ቈልዑ ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ንጥፈታት ከዘውትሩ ይደልዩ’ዮም። ከምዚ ዓይነት ስፖርታዊ ንጥፈታት ኣዘናጋዕቲን ሰሓብቲን ስለዝኾኑ ወለዲ ንደቆም ኣብ ከምዚ ዓይነት ስፖርታዊ

    ንጥፈታት ከላልዩዎምን ክሳተፉ ከተባብዕዎምን ጽቡቕ’ዩ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 21 ሚያዝያ 2015 - ገጽ 5

    መሓመድእድሪስ መሓመድ

    ኣረፋይነ 1970

    ኣረፋይነ 2015

    ኣረፋይነ - ካብ ሕውነታዊ ፍቕሪ፡ ሃገራዊ ክብሪ

    1ይ ክፋል

    ኣረፋይነ ክንፈ ጐይትኦም፡ ብ20 ጥሪ 1935 ኣብ እምበይቶ - ዞባ ማእከል ተወሊዱ። ኣብ 1945 ኣብ እምበይቶ መባእታ ትምህርቲ ብምጅማር፡ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ተማሂሩ። ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት መበል 80 ዕለተ ልደቱ፡ ኣብ’ታ ገድላዊ መዋእሉ ዘሕለፈላን ዓመታዊ ዝነግዳን ናቕፋ ምስ ደቁን ብጾቱን ዘኽበረ ኣረፋይነ፡ ዕድመን ጥዕናን እናተመነና ምስኡ ዝገበርናዮ ዕላል ነቕርበልኩም።

    *** 20 መጋቢት 2015 ናይ

    ንጉሆ፡ ናብ ናቕፋ ኣብ ዝተበገስናሉ ግዜ ኢና ምስ ተጋዳላይ ኣረፋይነ ተራኺብና። መኪና ምስ ደንጎየትና ደሃይ ናይ’ታ መኪና ክገብር ደጋጊሙ ሞባይል ክድውል፡ ነቶም ገያሾ ከወሃህድ፡ እንሓንሳብ ድማ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ድፍእ-ድፍእ እናበለ ክመላልስን ምስ ረኣናዮ፡ ሓቦኡን ናይ ስራሕ መንፈሱን ሽማግለ ዘይኮነስ ወዲ 40 ዓመት ኰይኑ እዩ ተሰሚዑና። ወዲ ክንፈ ኣብ 1975 እዩ ንዓዲ ጥልያን ኩቦ ደርብዩላ፡ ዘፍቅራ በዓልቲ ቤቱን ውላዱን ገዲፉ ናብ ሳሕል ዝነቐለ። እቲ ናይ ሽዑ ንግደት

    ግን ካብ’ቲ ናይ ቅድሚ 40 ዓመታት ዝተፈልየ ነበረ። ምረት መግዛእቲ፡ ማእሰርቲን ምፍርራሕን ስለ ዘይተጻወሮ እዩ ኣብ 1975 ናብ’ቲ ብባርዕ ሰውራ ሃልሃል ዝብል ዝነበረ ሳሕል ክበጽሕን ናብ መኣዲ

    እቶም ጀጋኑ ብጾቱ ክጽንበርን ሚላኖ፡ ሮማ፡ በይሩት ዓደን. . . እናበለ ምስ’ቶም ካብ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ሶቭየት ሕብረት፡ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ናብ ሜዳ ዝተጸንበረ።ኣረፋይነ፡ ኣብ ንእስነቱ ባህጊ

    ትምህርቲ ስለ ዝነበሮ፡ ደረጃ ትምህርቲ ንኽውስኽ ካብ’ታ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ዝተማህረላ ዓዱ ወጺኡ፡ ኣብ ኣስመራ ኣኽርያ ምስ ብጾቱ ገዛ ተኻርዩ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ተማሂሩ። ድሕሪ መርመራ ድማ 7ይን 8ይን ክፍሊ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቤት-ገርግሽ ወዲኡ። ወላዲኡ፡ ኣብ ሓደ ትካል ከም ዋርድያ ተቘጺሩ ይሰርሕ እንተ ነበረ’ኳ፡ ደሓር ስራሕ ስለ ዘቋረጸ፡ ወለዱ ካብ ዓዲ ንመግቡ ዝኸውን ጎጎ እናሰደደሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ሰለስተ ከፊሉ ቁርሲ፡ ምሳሕን ድራርን እናገበረ ብምምቕራሕ ይምገብ ነበረ። ደሓር ግን መነባብሮ ስለ ዝጸገሞ ኣብ 8ይ ክፍሊ ትምህርቲ ኣቋረጸ። ካብ ናይ ትምህርቲ ዓለም ድማ ናብ ስራሕ ኣተወ። ንመጀመርታ ግዜ ኣብ እንዳ ሻሂ፡ ካብኡ ድማ ኣብ ቤት መግቢ ቶስካዮ ምስ ሓደ ወጻእተኛ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ እንዳ ኣቶ ተስፋማርያም ናይ ህዝቢ ጉዳይ ጸሓፊ ከም ተለኣኣኺ ተቘጺሩ ሰሪሑ። ድሕሪ ቁሩብ ከኣ ካብ ተለኣኣኺ ናብ ጸሓፊ ‘ዶማንዳ’ ሰጊሩ። ኣብ ስራሕ ትጉህን ህርኩትን ስለ ዝነበረ፡ ካብ’ዚ እውን ምስ ሓደ ዓብደላ ናስር ዝበሃል ዜጋ ብ60 ቅርሺ ተቖጺሩ፡ ኣሳላጢ ጉዳያት ናይ’ቶም ናብ ሕጃ ዝኸዱ ሰባት ኰይኑ። ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ነቲ ስራሕ ገዲፉ፡ ምስ ሓደ ትካል ኣምጻኢን ለኣኺን (import export) ዝነበሮ ወጻእተኛ፡ ብ80 ቅርሺ እናሰርሐ፡ ኣብ ኩባንያ ሲንጀር እውን ኣሳላጢን ጠበቓን ኰይኑ ተደራቢ ስራሕ ሓዘ። ኣብ 1959፡ ናይ ገዛእ ርእሱ

    ትካል ክኸፍት ፍቓድ ምስ ረኸበ፡ ካብ ትካል ኣምጻኢን ለኣኺን ወጽአ። “ናይ ህዝቢ ጉዳያት ጸሓፊ” ፍቓድ ንግዲ ድሕሪ ምውጻእ፡ ተሓጋጋዚት

    ሰራሕተኛ ቆጺሩ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤት-ጽሕፈት ክሰርሕ ጀመረ። ኣብ 1963 ከኣ ምስ ዘፍቅራ ወይዘሮ ተኽኣ ባርያጋብር ቃል-ኪዳን ኣሰረ። እቲ ብምዕሩግ ኣገባብ ዝሓለፈ መርዓ ክሳብ ሎሚ ካብ ዝኽሩ ኣይሃሰሰሉን። ኣረፋይነ፡ ብስራሕ መነባብሮኡ

    ንኸመሓይሽ ናይ ገዛ ርእሱ ትካላት ገይሩ ላዕልን ታሕትን እናበለ ከሎ፡ በቲ ኣብ መጀመርታ ስሳታት ዝፈለመ ሓርነታዊ ገድሊ ተጸልወ። ኣብ ውሽጢ ኰይኑ ድማ ሃገር ኣብ እትጠልቦ ዕማማት ምስታፍ ተተሓሓዞ። ኣብ ከም’ዚ ኩነታት እንከሎ ሓደ ሰብ “ትካል ኣረፋይነ ክንፈ ናይ ህዝቢ ጉዳይ ጸሓፊ ዘይኰነስ መአከቢን መስርሒን ናይ ማሕበር 7 እዩ ኰይኑ ዘሎ” ኢሉ ምስ ከሰሶ፡ ኣብ ኣጂፕ ተኣስረ። እዚ ማእሰርቲ ግን ንኣረፋይነ፡ ዝያዳ ሃገራዊ ስምዒትን መንቋሕቋሕታን ከም ዝሓድሮ እዩ ገይሩዎ። እቲ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ ምስ በጽሐ ሓያሎ ፈተውቱ ‘ኣረፋይነ ኢድ የብሉን’ ብምባል ኣትሪሮም ስለ ዝተኻትዕሉን ንማእሰርቱ ስለ ዝተቓወሙን ድሕሪ 10 መዓልታት ተፈትሐ። ድሕሪ 4 ዓመታት፡ ካብ’ቲ

    ዝነበሮ ቦታ ተኣልዩ፡ ቤት-ጽሕፈቱ ኣብ ፓላስ መናቺ ኣጄንስያ ገይሩ ኣሳላጢ ጉዳያት ናብ ወጻኢ ዝኸዱ ሰባት ብምዃን ሰሪሑ። ‘ኤምባሲ’ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስለ ዝነበረ ከኣ ነቶም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኸዱ ሰባት ክሳብ ኣዲስ ኣበባ እናኸደ የሳልጠሎም ነበረ። በዚ ምኽንያት ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብተደጋጋሚ ይመላለስ ነይሩ።

    ኣረፋይነ፡ በቲ ዝነበሮ ስራሕ ጽቡቕ እቶም ይረክብ እንተ ነበረ’ኳ፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝሰላሰል ዝነበረ ወተሃደራዊን ፖሎቲካዊን ኩነታት ተጸልዩ ብምንባሩ፡ በቲ ኣብ ኤርትራ ብምስጢር ዝሰርሓሉ ዝነበረ ማሕበር ሸውዓተ ዀነ በቶም ኣብ በረኻታት ኤርትራ ዝጋደሉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ይግደስ ጥራይ ዘይኰነ ሃሙን ቀልቡን ኣብ’ቲ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኮነ። 20 ለካቲት 1969 ኣቶ ኣስመላሽ ኣርኣያ ዝተባህለ ዜጋ፡ እቲ ስርዓት ካብ ኣስመራ ምውጻእ ስለ ዝኸልኦ፡ ኣረፋይነ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ኩሉ መስርሕ ኣሳሊጡ ናብ ኢጣልያ ኣፋነዎ። ኣረፋይነ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ

    ኣስመራ ክምለስ እናተዳለወ ከሎ ግን ናብ በዓልቲ-ቤቱ ምስ ደወለ፡ ካብ በዓልቲ-ቤቱ ዘይተጸበዮ መርድእ ሰምዐ። “ምሳኻ ዝነበሩ ሰባት ይእሰሩን ይህደኑን ስለ ዘለዉ፡ ናብ’ዚ ገጽካ ተወዝ ከይትብል! ናብ ቤት-ጽሕፈትካ’ውን ወተሃደራት ይመላለሰሉ ስለ ዘለዉ ናብ ኣስመራ እንተ ዘይመጻእካ ይሕሸካ” ምስ በለቶ፡ ኣረፋይነ ዝገብሮ ጨነቖ። ናብ ዝፈትወን ሃገሩን በዓልቲ-ቤቱን ክምለስ ከም ዘይክእል ምስ ኣጥለለ፡ ኣብ ሚላኖ ናብ ዝነበረ ሓው ፋክስ ብምግባር ትኬት ክሰደሉ ሓበሮ።በዚ መሰረት ድማ ሓው ትኬት

    ሰደደሉ። እታ ዝሰደደሉ ትኬት ናብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከይትኸውን ግን ስግኣት ነበሮ። ምኽንያቱ ናይ ጸጥታ ኣባላት ምስ ተጋደልቲ ከም ዝተሓባበርን ኣባል ማሕበር ሸውዓተ ከም

    ዝዀነን ሓበሬታ እንተ ድኣ በጺሑዎም ጸኒሑ፡ ክሕዝዎ ስለ ዝኽእሉ ኣይቀሰነን። እታ ካብ ሓዉ ዝመጽኣቶ

    ትኬት ምስ’ታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሮማ እትመላለስ ናይ ኢጣልያ ነፋሪት እተብርሮ እንተ ነበረት’ኳ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ኣስመራ ድሕሪ ምዕላብ እያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክትቕጽል። ስለ ዝዀነ ኣረፋይነ ስግኣት ነይሩዎ። ገለ ጥርጣረ እንተ ኣሕዲሮም ፈቲሾም ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግን ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮ፡ ናይ መገሻ ዕለቱ ምስ ኣኸለ፡ ከይፈተወ ካብ’ታ ዝፈትዋ ዓዱ ናብ ስደት ከምርሕ ንሓዲኣ ክትከውን በረረ። ነፋሪት ኣስመራ ምስ ዓለበት፡ ካብ መንበሩ ከይተንቀሳቐሰ ተጸበየ። እታ ‘ሆስቴስ’ “ውረድ” ምስ በለቶ ግን ብፍርሒ ተዋሕጠ። “ውረድ” ዝብል ትእዛዝ ብዝሰምዐ፡ ምስ’ቲ ኣብ ሓንጎሉ ዝነበረ ጥርጣረታት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጎን ኰይኑ ተሰመዖ። ካብ ነፋሪት ወሪዱ ከኣ ቀባሕባሕ በለ።

    ይቕጽል…

  • ሓዳስ ኤርትራ 21 ሚያዝያ 2015 - ገጽ 6

    ዳሃብ ዳዊ

    ት - ቤተ

    ልሄም ታደ

    ምልክታታትኣነ ገብረሚካኤል ብርሃነ መሓሪ ኣብ ዞባ ማእከል ምም/ን/ዞባ ገጀረት ፕሎት 98 ፓርሰል E1 ከባቢ ገጀረት ዚፕ ኮድ 1A755 ጎደና 755-1 ብቁ.መለለዪ ንብረት 1፡002390/1 ተመዝጊቡ ዝርከብ ዘይንቀሳቐስ ንብረት (ገዛ) ካብ ወ/ሮ ለተየሱስ ክፍለ መዓሾ ስለዝዓደግኩዎ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ 1 ወርሒ ኣብ ቤ/ጽ ፓብሊክ ኖታዮ ይቕረብ።

    ኣቶ ገብረሚካኤል ብርሃነ መሓሪ

    ኣነ ኣማኑኤል መኮነን ተኽለ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዞባ 4 ን/ዞባ 02 ሎት ቁ. 106 ፓርሳል “ቢ” ስፍሓቱ 507.64 ብንብረት ምዝገባ ቁጽሪ 52621/87300 ተመዝጊቡ ዝነበረ ሕጂ ብመለለይ ቁ ንብረት 1፡006223 ዝርከብ ገዛ ብዉርሻ ካብ ኣደይ ወ/ሮ ለተብርሃን ባህታ ኪዳነ ዝተረከብክዎ ናብ ስመይ ክመሓላለፍ ስለዝደለኹ ዝቃወም እንተሎ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ናብ ቤ/ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ይቕረብ

    ኣማኑኤል መኰንን ተኽለወኪል ሰመረ ሃብተኣብ

    ኣነ ኣማኑኤል መኮነን ተኽለ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዞባ 6 ምም/ 08 ጎደና 801 ሎታ ቁ 22 ፓርሳል “M” ስፍሓቱ መሬት 160.93 ት/ሜ ብቁ ምዝገባ ንብረት 43404-66706 ተመዝጊቡ ዝርከብ ገዛ ካብ ኣደይ ወ/ሮ ለተብርሃን ባህታ ኪዳነ ብዉርሲ ዝረኸብክዎ ናብ ስመይ ክመሓላለፍ ስለዝደለኹ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ናብ ቤ/ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ይቕረብ

    ኣማኑኤል መኰንን ተኽለወኪል ሰመረ ሃብተኣብ

    ኣነ ለምለም ሞጎስ ስብሃቱ ኣብ ዞባ ማእከል ምም/ን/ዞ/ቀሓዉታ ምም/ጎዳይፍ ጎደና 1A719 ጀብል ዓሊ ቁ. ገዛ 20 ፕሎት 98 ስፍሓት መሬት 250 ት/ሜ ካብ ኤልሳ በርሀ +1 ስለዝዓደግክዎ፡ ናብ ስመይ ከመሓላልፎ ስለዝደለኹ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ዉሽጢ 1 ወርሒ ኣብ ቤ/ጽ/ፓብሊክ ኖታዮ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ለምለም ሞጎስ ስብሃቱወኪል የማነ ሞጎስ

    ወላዲና ነፍ/ግርማጽዮን ሃብተጽዮን ነፍ/ሓረጉ ትኩእን ኣብ ከተማ ኣስመራ ዞባ 6 ምም/10 ጎደና 802 ቁጽሪ ገዛ 127 ብኮምሽን ኣባይቲ ቁጽሪ ምስክር ወረቀት 107789 መወከሲ ቁጽሪ 111157 ብስሞም ዝተመዝገበ ዘይንቀሳቐስ ንብረት፡ ኣመልካቲ ወረስቲ ምዃንና ቤት ፍርዲ ዞባ ማእከል ብዕለት 26/05/1998 ብዉርሲ መዝ/ቁ. 1994/98 ብዘረጋገጸልና መሰረት ናብ ስምና ከነሰጋግሮ ስለዝደለና፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ዉሽጢ ወርሒ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኖታሪ ዞባ ማእከል ይቕረብ።

    ወ/ሮ ትበርህ ግርማጽዮን

    ኣነ ኑኤል ዮሴፍ የማነ ዝተባሃልኩ፡ ኣቦይ ዮሴፍ የማነ ወልደማርያም ኣደይ ለምለም ሓጎስ ገብረእግዝኣብሄር ኣብ ኣስመራ ከተማ ምም/ን/ዞባ ገጀረት መለለዩ ቁ.1፡002387/1 ፕሎት 21Q፡ ፓርሳል “C”፡ ስፍሓት መሬት 252 ት/ሜ ቀንዲ ክፍልታት 5፡ ሓገዝቲ ክፍልታት 5፡ ቪላ መንበሪ ገዛ ብህያብ ስለዝሃቡኒ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ኣብ ቤ/ጽ ፓብሊክ ኖታሪ ዞባ ማእከል ይቕረብ።

    ኑኤል ዮሴፍ የማነ

    ኣነ ዘርእሰናይ ታደሰ ሃብተስላሴ ዝተባሃልኩ፡ ኣብ ምም/ም/ዞባ ገዛ ባንዳ ዚፕ 1A756 ፡ስፍሓት መሬት 302.37 ት/ሜ፡ ፕሎት 284፡ ፓርሳል B፡ መለለይ ቁ.ንብረት 1፡006728/1 መንበሪ ገዛ፡ 6 ቀንዲ ክፍሊ፡ 4 ሓገዝቲ ክፍሊ ብስመይ ዝተመዝገበ ንኣቶ በያን ኢብራሂም ዓብዱ ስለዝሸጥኩሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ናብ ቤ/ጽ ፓብሊክ ኖታሪ ዞባ ማእከል ይቕረብ።

    ኣቶ ዘርእሰናይ ታደሰ ሃብተስላሴ

    ኣነ መረስዕ ርስቶም ዘርአ ዝተባሃልኩ፡ ኣብ ምም/ን/ዞባ ማእከል ከተማ ኣስመራ ዚፕ 176 ፡ ቁ.ገዛ 15.17.107 ዝርከብ ጂ+1፡ ስፍሓት መሬት 176.72 ት/ሜ፡ ቁ.ሎታ 28፡ ቁ.ፓርቸላ ዞና E፡ ቁ.ምስክር ወረቐት 104504 መወከሲ ቁ.109264/109265 ቁ.ምዝገባ ንብረት 38879/58693 ዘይንቀሳቐስ ገዛ፡ ቀንዲ ክፍልታት 10፡ ሓገዝቲ ክፍሊ 7 ብስም ኣቶ ጉርጃ ኣዉዓሎም ገብሩን ብሽም ነፍ ኣለሚቱ መንገሻ ሓጎስን ዝተመዝገበ ገዛ ኣነ ስለዝዓደግክዎ፡ መስርሕ ምትሕልላፍ ክንገብር ስለዝኾንና፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ናብ ቤ/ጽ ፓብሊክ ኖታሪ ዞባ ማእከል ኣስመራ ይቕረብ።

    ኣቶ መረስዕ ርስቶም ዘርአወኪል ኣቶ መስፍን ተስፋስላሰ

    ብስም ነፍ/ ሃንሱ ወልደስላሴ ካሕሳይ ዝተመዝገበ ገዛ፡ ኣብ ምም/ን/ዞባ ኣኽርያ ጎደና ሸርኢት ዚፕ 135፡ ፕሎት 4R፡ ፓርሳል N ብኣጽራዪ ኮምሽን ምስክር ወረቐት 100410 መወከሲ ቁጽሪ 100514-100515 ዝተመዝገብ ንብረት ብሽም ወረስተን ኣለም ኣስካለን ግርማጼን ኣስካለን ከመሓላልፎ ስለዝደለኹ፣ ዝቓወም እንተሎ፡ ናብ ፓብሊክ ኖታሪ ዞባ ማእከል ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ይቕረብ።

    ምልክታብስም ወረ/ነፍ ጣዕሙ ጻዕዱ ወ/ሮ ጽገ ገብረሂወት ምስ 2 ኣሕዋተን 1.በላይ

    ገብረሂወት 2.ነፍ/ተኸስተ ገብረሂወት ዝተመዝገበ ገዛ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዞባ 1 ምም/03 ጎደና ከረን (ምም/ን/ዞባ ማእከል ከተማ) ቁ.ገዛ 17 ዝርከብ ኣብ ኮምሽን ኣባይቲ ብቁጽሪ ምስክር ወረቐት 122900 መወከሲ ቁጽሪ 119959 ዝፍለጥ ናብ ስምና ስም ወረስቲ ከነመሓላልፎ ስለዝደለና፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ኣብ ቤ/ጽ ፓብሊክ ኖታሪ ይቕረብ።

    1.ኣቶ በላይ ገብረሂወት2.ወረ/ነፍ ተኸስተ ገብረሂወት

    ፍቕረየሱስ ተኸስተ +33.ወረ/ነፍ ጽገ ገብረሂወት

    ኣቶ እዮብ ማእከለ

    ምልክታኣኮይ ኣቶ ይሕደጎ ገብረስላሴ ፍስሃጼን ኣብ መገዲ ባጽዕ ሰይድሺ ዝርከብ ትካል ቤት መግብን መስተን (ሬስቶራንት) ቁጽሪ ፍቃድ ንግዲ ASL00007765 ጠቅላላ ዝተሰርሐ ገዛዉትን መሬትን ብዉህብቶ ዝሃበኒ ናይ ሽመይ ከመሓላልፎ ስለዝደለኩ ዝቓወም እንተሎ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ይቅረብ።

    ኣፍወርቂ በይን ሃይለሚካኤል

    ዞባ ማእከል ኣስመራ

    ከሳሲት ሚካል ግርማይ ሃብተስላሴ፡ ተኸሳሲ መርሃዊ ቶምቦሳ ዘሎ ናይ ኣቦነት ክሲ ጉዳይ፡ መርሃዊ ቶምቦሳ ናይዝጊ ኣብ ኣድራሽኡ ስለዘየሎ ካብ ዘለዎ ን6/5/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 8ይ መጋባኣያ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ኣብ ዘየለወሉ መስርሕ ዳንነት ከምነካይድ ነፍልጥ።

    ኣለም ኪዳነ መድሃኔ ምባል ተሪፉ፡ ኣለም ተስፋገርግሽ ተመልሶ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/4/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ኣብ መንጎ ከሰስቲ ወረ/ነፍ ኣብርሃ ሓጎስ መሓሪ +1 ኣቶ ኣብርሃም ኣለማዮ ኣስገዶም +1 ዘሎ ናይ ሲቪላዊ ጉዳይ ክርክር፡ 3ይ ኣካል ተኸሳሲት ነፍ/ወ/ሮ ልኡል ገብረእግዚኣብሄር ወልደስላሰ ኣብዚ ጉዳይ ተጸምቢረን ክከራኸራ ቤ/ፍ ስለዝኣዘዘ፡ ናይ መዋቲት ሕጋዊ ወራሲ’የ ዝብል ሰብ ሰነዳቱ ሒዙ ን5/5/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባኣያ ቁ.39 ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ 4 ኣስመራ

    ወ/ሮ ስእላ ገብረመስቀል ፍታው፡ ጓለይ ወ/ሮ ለምለም ኪዳነ ሓድጉ ስለዝሞተት፡ 1 ወዳ ጥራሕ ወራሲኣ ምዃኑ ይረጋገጸሉ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን7/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረትን ቲራቮሎን

    ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ፍረወይኒ ተስፋጽየን ተወልደብርሃንን ተኸሳሲ ኣቶ መንግስቱ ደበበ መብራህቱን ዘሎ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ክርክር፡ ተኸሳሲ ብኣድራሽኡ ክርክረብ ስለዘይከኣለ ን8/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    እንተዘይቀሪቡ ኣብ ዘየለወሉ ክረአ ምዃኑ ንሕብር።

    ወ/ሮ ሕርይቲ ደበሳይ፡ ወላዲትና ኣብርሀት ወልደሚካኤል ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ ሓፍተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኣቶ ክፍለ ተስፋማርያምን ወ/ሮ ኣስገደት ገብረስላሴን ጓልና ትርሓስ ክፍለ ተስፋማርያም ስለዝሞተት፡ ንሕና ወለዳ ጥራይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኣቶ ሙሴ ቴድሮስ ገብሩ፡ ወላዲና ኣቶ ቴድሮስ ገብሩ ወልደስላሴ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

    ወ/ሮ ጽገሬዳ ተኽሊት ፍረሚካኤል በዓል ቤተይ ምሕረትኣብ ተኽለሃይማኖት ገብረሂወት ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሽከቲ

    ኣቶ ገብሩ ሃይለ ገብረገርግሽ፡ ኣቦና ኣቶ ሃይለ ገብረገርግሽ ጉዕባ ከምኡ’ውን ኣደና ወ/ሮ ለተብርሃን ወልደገርግሽ ሃይለሚካኤል ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 5 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኩዶ ፈላሲ

    ወ/ሮ ንግስቲ ኣርኣያ ፍስሃጼን፡ ጓለይ ዮርዳኖስ ዑቅባጼን ምሕረትኣብ ስለዝሞተት፡ ኣነ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 21 ሚያዝያ 2015 - ገጽ 7

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ከረን 01

    ከሳሲት ወ/ሮ ዊንታ ኣድሓኖም ታደሰ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ዮሃንስ ጳውሎስ ፍረ ናይ ሓዳር ክርክር ክሲ ቀሪቡልካ ስለዘሎ፡ ባዕልኻ ወይ ሕጋዊ ወኪልካ ን14/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ጉዳይ ኣብ ዘይተረኸብካሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

    ወ/ሮ ሳባ ኣረፋይነ ሰንጋል፡ ወላዲና ኣረፋይነ ሰንጋል ስለዝሞተ፡ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሳራ በራኺ ናይ መጻምዲ መሰላ ክሕለወላ፡ 6 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓሊግድር

    ፍረወይኒ ብርሃነ ባይሩ፡ በዓል ቤተይ መድሃኔ ሃብተ ብርሃነ ብ2005 ዓ.ም ኣብ ባረንቱ ተመርዒና ካብ ክልቴና ኣብራኽ ድማ 3 ቆልዑ ወሊድና። እንተኾነ ካብዚ ሃገር ካብ ዝወጽእ 6 ዓመት ጌሩ ኣሎ ይድውለለይ ኔሩ ድሒሩ ዘሎ ግዜ ግን ደሃዩ ዝብሃል የብለይን ኣይ በዓልቲ ሓዳር ኣይ ፍትሕቲ ጌሩ ኣብ ጸገም ስለዘውደቐኒ ናይ ፍትሕ ውሳነ ይወሃበኒ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓደውሒ

    ወ/ሮ ዑቕባ ዘጋይ፡ ኣብ 2008 ዓ.ም ብግቡእ በቲ ልምዲ ሃገር ምስ ኣብራሃም ምሕረትኣብ ግቡእ መርዓ ተመርዒና 1 ወዲ ውን ወሊድና። እንተኾነ በዓል ቤተይ ካብ ዘይኣልየኒ 4 ዓመት ስለዝገበረ ኣነ ግን ከምዚ ዘለኽዎ ክቕጽል ስለዘይክእል፣ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ዞባ ደቡብ ደቀምሓረ

    ትምኒት ኣሚነ ምሕረትኣብ፡ ስም ኣደይ ንጽህቲ ገብረ ምባል ተሪፉ፡ ንጽህቲ መሃንዘል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/5/15 ኣብ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ቁ.4 ይቕረብ።

    ዞባ ደቡብ ዓዲ ቀይሕ

    ሙሉጌታ ዘርእዝጊ ሃይለጋብር ምባል

    ተሪፉ፡ ሙሉጌታ ዘርእዝጊ ሃይለ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ቆንጺ

    ወ/ሮ ተኽኣ ባህታ ማሕዮ፡ ኣብ ዓደይ ሒዮ ን/ዞ/ሰገነይቲ ግራት ደርባይት ኣብ ዝበሃል ቦታ መሬት ጤሳ ተዋሂቡኒ መንበሪ ገዛ ሰሪሐ ኣለኹ። ነዚ ገዛ ዝሰራሕክዎ ን መንግስትኣብ ወልዱ ባህታ የውርሶ ኣለኹ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ መንደፈራ

    ከሳሲት ወ/ሮ መብርሂት ብርሃነ ኣብራሃ ተኸሳሲ በዓል ቤተይ ኣቶ ፋኑስ ሰሎሙን ፍስሃየ ብ29/11/2007 ካብ ኢደይ ወጺኡ ምስ ከደ ደገ ወጺኡ ብዕለት 15/10/2009 ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣትዩ ከሎ 6 ዓመታት ጌሩ ንዓይን ንደቀይን ክናብየና ስለዘይከኣለ ስለዝጠለመና። ተጸዋዒ ኣቶ ፋኑስ ሰሎሙን ፍስሃየ ባዕልኻ ወይ ብሕጋዊ ወኪልካ መልሲ ሒዝካ ን5/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ጉዳይ ናብ ቤተ-ዘመድ ሽማግለ ክንመርሖ ምዃንና ነፍልጥ።

    ኣቶ ሃይለ ወልዳይ ገብረመድህን በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ለተዝጊ ካሕሳይ ተኽ/ኤል ስለዝሞተት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/5/15 ኣብ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ፋና ዑቕባስላሴ ተስፋይ በዓል ቤተይ ተስፋጋብር በላይ ዘርኡ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/5/15 ኣብ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይ ዕዳጋ

    ወ/ሮ ዘነበሽ ስብሃቱ ፍስሃየ በዓል ቤተይ ወልዱ ክንፈ ሓጎስ ስለዝሞተ፡ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ድማ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ዓዲ ዃላ

    ዳሃብ ዳዊ

    ት - ቤተ

    ልሄም ታደ

    ባጉም ባጉምንብስራት

    ሓዳስ መጽሓፍ ንቘልዑ“ባጉም ባጉም”

    (ኣላዪ ጕጅለ ባህሊ ዋሪ)***

    ምቍራት ዛንታታት፣ ጽውጽዋያት፣ ብስለት ኣእምሮ ዝፍትሹ ግድላትን እሩም ኣበሃህላታት ትግርኛን

    ብመሳጢ ኣቀራርባ!!ንዝያዳ ሓበሬታ፣ 07135178

    ብመም. ኤፍሬም ፍቓዱ

    ምልክታ ንኣባላት ማሕበር ኤርትሮ ጀርመንማሕበር ኤርትሮ ጀርመን ንቀዳም ሚያዝያ ዕለት 25/2015 ሰዓት

    3፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መኣከቢ ኣዳራሽ ማሕበር ዓመታዊ ጉባኤ ክገብር ስለዝኾነ፡ ኩሉኹም ኣባላት ክሳብ መወዳእታ 2014 ዓ/ም ዝተዋህለለ ዓመታዊ ክፍሊትኩም ክሳብ ሚያዝያ 23/2015 ክትከፍሉ እናሓበርና። ክፍሊትኩም ዘይፈጸምኩም ኣባላት ክትሳተፉ ከምዘይትኽእሉ ብኽብሪ ነዘኻኽረኩም።

    ቦርድ ማሕበር ኤርትሮ ጀርመን

    ኣቶ ፍስሃ ኣስፍሃ መሸሻ፡ ወላዲትና ሂሪት ባልህወሊ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን24/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ምሕረትኣብ ተወልደ፡ ኣብ ምምሕዳር ሰሞሞ ዝርከብ ጀርዲነይ ካብ ሚ/ሪ መሬትን ማይን ዝተዋህበኒ ውዕል ኣጠቓቕማ ክራይ መሬት (ሊዝ) ቁ.005784 ብመዝገብ 6070601 ዝፍለጥ ቀንዲ ጽሑፍ (ኦርጂናል) ስለዝጠፍኣኒ፣ ነዚ ብዕዳ ሒዘዮ ውይ ተረኪበዮ ዝብል እንተሎ፡ ክሳብ 30/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ምጽዋዕ

    ሮዳስ ዳንኤል ብኣደኣ ወ/ሮ ኣልማዝ ብርሃነ ተስፋይ ኣቢላ፡ ስመይ ሮዳስ ዳንኤል ምባል ተሪፉ፡ ሮዳስ በሽር ዮሱፍ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡

    ን5/5/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ዞባ ጋሽ ባርካ ባረንቱ

    ኩቡራ ኣሸኩ ዓሊ ምባል ተሪፉ፡ ስቲ ኩንደይ ዓሊ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/5/15 ኣብ ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ኣብራሃጽዮን ታፍላ ባርያማርያም ምባል ተሪፉ፡ ኣብራሃጽዮን ታፍላ ባርያሚካኤል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን23/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ባረንቱ

    ሰምሃር ንጉሰ፡ ኣደና መዓሾ ተስፋይ ሰለሙን ስለዝተሰውአት፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/5/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ኣብ ዘየለወሉ ቤ/ፍ ክርእዮ ምዃኑ ነፍልጥ።

    ምልክታሩማና ዓብዱ ዓብደላ ዝተብሃልኩ፡ ወራሲት ናይ ነፍ/ዓብዱ ዓብደላ ዝኾንኩ፡ ብስሙ ዝተመዝገበ ገዛ ኣብ ኣስመራ ጎደና ኣቑርደት ፕሎት 35፡ ፓርሰል H ዝኾነ ኣብ ቤ/ት/ጽ/ካዳስተር መለለይ ቁጽሪ መዝገብ 1፡007877 ዝተመዝገበ ነቲ ብጽሒተይ ናብ ስመይ ከመሓላልፎ ስለዝደለኹ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ኣብ ቤ/ጽ/ነታዮ ይቕረብ።

    ሩማና ዓብዱ

  • ሓዳስ ኤርትራ 21 ሚያዝያ 2015 - ገጽ 8

    ሃብቶም ጸጋይ

    ኢንተርነት ሓደ ካብቶም ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ዓለም ተጠለብቲ ዝኾኑ መሰረታውያን ውጽኢታት ዓውዲ ቴክኖሎጂ እዩ። ስለዝኾነ ዝኾነ ሰብ ኣገባብ ኣጠቓቕማኡ ክፈልጥን ብእወታዊ ሸነኹ ክጥቀመሉን ይግባእ። ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ዝተፈላለዩ መዳያት ዝገልጹ፡ ዝሕብሩ ኮታስ ከም ማይ ባሕሪ ዝብዝሑ ሓበሬታን ፍልጠትን ዝርከቦ ኢዩ። ብተወሳኺ’ውን ሰባት ካብን ናብን መልእኽትታቶም ዝለዋወጡሉን ኣብ ዘዘለዉዎ ኩርናዕ ናይ ዓለም ብምዃን ቀጥታዊ ርክባት ንኽህልዎም ዝሕግዝን ብምዃኑ ድማ ኣዝዩ ተመራጺ ምህዞ ኢዩ። ብኣንጻሩ ግን፡ ብመንገዲ ኢንተርነት፡ ዝተፈላለዩ ኣዕነውቲ ተግባራት ክፍጸሙ ይኽእሉ ምዃኖም ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ኢንተርነት ብርክት ዝበላ ካብ ስነ ምግባር ወጻኢ መልእኽትታት ዘመሓላልፋ መርበባት ሓበሬታ ስለዝርከባ፡ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ነዚ ብምርዳእ ንጥቕሚ ኢንተርነት ክምዝምዙ ደኣ’ምበር ንባዕላቶም ክምዝመዙ ኣይግባእን።መባእታዊ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት

    እዞም ዝስዕቡ ኣገባባት ብምጥቃም ኢንተርነት ክንጥቀም ንኽእል።ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ዝህቡ

    ካፈታት፡ ወይ’ውን ኣብ ካልእ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝርከቦም ቦታታት ብምኻድ ኮምፕዩተር ድሕሪ ምሓዝ፡ - ፈለማ ናይ ኢንተርነት

    ኣገልግሎት ክህቡ ዝኽእሉ ከም ኢንተርነት ኤክስፕሎረር ን ሞዚላን ዝኣመሰሉ ሶፍትዌራት (browsers) ንኸፍት።- ብድሕሪ’ዚ ኣብ ላዕለዋይ ሸነኽ

    ናይቲ ዝተኸፍተልኩም ገጽ (web page)

    ኣብ ካርታ ዘለዉ ምልክታታት ማለት ልቢ፡ ኣልማዝ፡ ክለብን ኲናትን፡ ሓደ እዋን ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ይውክሉ ከምዝነበሩ ኣፍልጦ ዘለኩም ክንደይ ትኾኑ? ‘ንጉስ ልቢ’ ንቻርማይለን፡ ‘ንጉስ ኣልማዝ’ (ዲናሮ) ንጁልዬስ ቄሳር፡ ‘ንጉስ ክለብ’ (ፍዮሪ) ንኣሌክሳንደር ዓቢ፡ ‘ንጉስ ኲናት’ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘሎ ንጉስ ዳዊት ይውክሉ ነይሮም። ነዚ ኣደናቒ ምትእስሳር ዝኣምኑሉ ዝነበሩ ፈረንሳውያን ኮይኖም፡ ነዚ ከም መዘናግዒ ዝግልገሉሉ ዝነበሩ መሳጢ ጸወታ ናብ ኣህጉር ኤውሮጳን ‘ሓድሽ ዓለም’ን ከም ዝተኣታቶ ዝገበሩ’ውን ንሳቶም ኢዮም።ናይ ካርታ ጸወታ፡ ኣብ ማእከላይ ኤስያ ከምዝጀመረ’ዩ ዝንገር። ኣብ መጻሕፍቲ ተሰኒዱ ዝርከብ ንታሪኽ ጸወታ ካርታ ዝገልጽ ጽሑፍ ግና፡ እቲ ጸወታ ካብ 10ይ ክፍለዘመን ከምዝጅምር’ዩ ዝጠቅስ። እዚ ድማ፡ ቻይናውያን ወረቓቕቲ ተጠቒሞም ዝተፈላለየ ዓይነት ናይ ካርታ ጸወታታት ምስ ኣተኣታተዉ ኢዩ ዝፍልም። ኣርባዕተ ዓይነት ድሕረ-ባይታ ዝሓዘ ካርታ ኣብ ሃገራት ዓረብ ድሕሪ ምምዕባሉ፡ ቅድሚ 1370 ዓ/ም ኣቢሉ ከኣ ኤውሮጳውያን (ብቐንዱ ከኣ ፈረንሳውያን) ናብ ኣህጉሮም ኣተኣታትዮሞ። ኣብቲ እዋን’ቲ ካርታታት ብኢድ ዝተሳእሉ ኣብ ርእሲ ምንባሮም፡ ኣዝዮም ሃብታማት ሰባት ጥራይ’ዮም ክገዝእዎ ወይ ክሕዙዎ ዓቕሚ ዝነበሮም። ይኹን እምበር ምስ ዕቤት ምህዞ ጽርበት ዕንጨይቲ፡ ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ኤውሮጳውያን ብፍላይ ከኣ ኢጣልያውያን መጀመርታ ከፍርዩዎም ጀሚሮም።እዞም ኣብዚ እዋን’ዚ እንጥቀመሎም ዘለና ንድፊ ካርታታት፡ ካብ ናይ ፈረንሳውያን ንድፊ ዝተወስዱ ምዃኖም ይፍለጥ። ፈረንሳውያን ዝጥቀሙሎም ዝነበሩ ቅርጽታት ክለብ፡ ልቢ፡ ኲናትን ኣልማዝን ጸፋሕቲ ብምንባሮም፡ ሕብሪ ተጠቒምካ ንኽሕተሙ ቀለልቲ ኮይኖም ብምርካቦም ብብዝሒ ክፈርዩ ጀሚሮም። ፈለማ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ስዒቦም ከኣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ዝነበራ ሃገራትን ኣመሪካን ድማ ተቐባልነት ክረኽቡ ክኢሎም። መጸውዒ ኣስማት ናይቶም ምልክታታት ካርታ ድማ ኣብ እንግሊዝ ከምዝወጸሎም ይንገር።ኣብ ጸወታ ካርታ ብዘይካ’ዞም ዝግለጹ ኣርባዕተ ምልክታታት፡ ብ ‘ጆከር’ ዝፍለጥ ተወሳኺ ምልክት’ውን ይርከብ ኢዩ። እዚ ምልክት’ዚ ኣብ ከባቢ 1870 ኣቢሉ

    ምንቅጥቃጥ መሬት ብትሽዓተ ደረጃታት ይምዘን። ነቲ ንምንቅጥቃጥ መሬት ዝዕቅን መሳርሒ ዝመሃዘ ተመራማሪ ኣመሪካዊ ቻርለስ ሬክተር ኢዩ። እቲ ዝመሃዞ መሳርሒ ድማ ብስሙ ‘ሬክተር ስኬል’ ተባሂሉ ይጽዋዕ። በዚ ድማ ነዚ መጠን ምንቅጥቃጥ መሬት ዝዕቅን መሳርሒ ምርኩስ ብምግባር ፡ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ትሽዓተ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ይምደብ።• ሓደ ሬክተር ስኬል፦

    ኣዝዩ ድኹምን ብመዐቀኒ ምንቅጥቃጥ መሬት ጥራይ ክልለ ዝኽእልን።• ክልተ ሬክተር ስኬል፦

    እዚ ደረጃ ምንቅጥቃጥ መሬት ድኹም’ኳ እንተኾነ፡ ብኣዝዮም ውሑዳት ትኩራት ሰባት ክስማዕ ይኽእል።• ሰለስተ ሬክተር ስኬል፦

    ዘሰክፍ ዕንወት ዘውርድ ደረጃ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣይኹን ደኣ’ምበር ብሓያሎ ሰባት ይስማዕ።• ኣርባዕተ ሬክተር ስኬል፦

    እዚ’ውን ዳርጋ ብነፍስ ወከፍ ሰብ ዝስማዕ ኮይኑ፡ ሓደጋ

    ሕቶ ንሃበርም 1. ቀዳማይ ኲናት ዓለም ዝተጀመረሉ ቀንዲ ጠንቂ ግለጽ?ሀ. ምቕንጻል መራሒ ኦስትሪያ ፍራንሲስ ፈርዲናንድ

    ብሰርብያውያን ተቓወምቲለ. ምቕንጻል መራሒ ጀርመን ብሰራዊት ፈረንሳሐ. ምሕሽካር ምሕዝነት ፖላንድን ጀርመንንመ. መልሲ የለን2. ምልክታት ልዑል ጸቕጢ ደም ኣለሊ።ሀ. ተምላስ ለ. ሕጽረት ትንፋስ ሐ. ጽልግልግ ናይ ዓይኒ መ. ኩሎም መልሲ ኢዮም3. ቅብኣ ፍጥረት ዘርኢ ኣዳም ( The creation of adam)

    ብመን ተቐቢኣሀ. ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ለ. ፓብሎ ፒካሶ ሐ. ሚካኤል ኣንጀሎ መ. ጆሃንስ ቨርሚን4. ካብዘን ዝስዕባ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ኣህጉር ኤስያ ትዳውብ

    ኣውጽእ።ሀ. ግብጺ ለ. ሊብያ ሐ. ሞሮኮ መ. ሱዳን5. ካብዞም ዝስዕቡ ሕብርታት ንቀሰተ-ደበና ዘይውክል ኣውጽእ? ሀ. ቀይሕ ለ. ሊላ ሐ. ድሙቕ ሰማያዊ መ.

    መልሲ የለን

    መልሲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን 1. ሀ 2. መ 3. ሐ 4. ሐ 5. RAM (Random Access Memory) - እዚ ኣብ ኮምፒዩተር

    ንዝፍጸም እዋናዊ ስርሓትን ንጥፈታትን ንምስናድ ይጠቅም።- ROM (Read Only Memory)- ስሙ ከምዝሕብሮ ኣብ

    ውሽጢ ኮምፒዩተር ጥራይ ንዘለዉ ዝነበቡ ኣሃዛትን ስርሓትን ንምስናድ ይጠቅም።

    ኣድራሻ ናይቲ እንደልዮ መርበብ ሓበሬታ (web site) ንጽሕፍ።ኣብ ኢንተርነት ዝጽሓፍ ኣድራሻታት

    ዝተፈላለየ ኮይኑ ትምህርታዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ስፖርታውን ካልእን ዛዕባታት ዝድህስስ ትሕዝቶ ዘጠቓልሉ ኣድራሻታት ይርከቡ። ዝኾነ ኣድራሻ ንምጽሓፍ www.ኣድራሻ.com ክንጽሕፍ ይግባእ። እቲ ‘ኣድራሻ’ ዝብል ነቲ ዝተደልየ ዓይነት መርበብ ሓበሬታ ዝውክል ኢዩ።ኣብ ኢንተርነት ዝርከቡን እንጥቀመሎምን

    መርበባት ሓበሬታ (ዌብሳይት) ንዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ዝውዕሉ ኢዮም። ገለ ካብቶም ዝውቱራት መርበባት ሓበሬታ ንምጥቃስ፦ንማሕበራዊ ኣገልግሎት (social

    network) እንጥቀመሎምwww.gmail.comwww.yahoomail.com

    ኢንተርነትን መሰረታውያን ኣድራሻታትን

    www.hotmail.comwww.facebook.comኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት

    መረዳእታ ንምርካብን ተወሳኺ መብርሂ ንምሕታትንwww.Google.comwww.ask.comwww.wikipedia.comኣብ ርእሲ’ዞም ዝተገልጹ ኣድራሻታት፡

    ኣዝዮም ብዙሓት ካልኦት‘ውን ይርከቡ ኢዮም። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ፡ ኣብቲ ኣድራሻ ንምጽሓፍ ዝተዋህበ ስፍራ፡ ስም መርበብ ሓበሬታ ብምጽሓፍ ከኣ እቲ ዝተደለየ መርበብ ሓበሬታ ክንፍትሽን ዘድሊ ሓበሬታ ክንረክብን ይከኣል። ካብቲ ካብ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝርከብ ሰፊሕን ዘይውዳእን ረብሓ፡ እቲ ኣዝዩ ንኡስን ግን ከኣ ኣዕናውን ሸነኹ ከየጥቅዓና ግን ልዑል ትዂረትን ግንዛበን የድሊ።

    ገለ ብዛዕባ ኣብ ካርታ ዝርከቡ ምልክታት

    ኣመሪካውያን ዘተኣታተዉዎ ኮይኑ፡ ዝለዓለ ካርድ ኣብ ጸወታ ካርታ ተባሂሉ’ዩ ዝውሰድ። ነዚ ምልክት’ዚ ዝተፈላለዩ ምስልታት እናተዋህቦ ከኣ ይሰርሕ ኣሎ። ዳሕረዋይ ክፋል ናይ ካርታታት ምስ ግዜ ንዝተፈላለዩ ፍርያትን ኣገልግሎትን ዝውክሉ ናይ ምውዕዋዕን ሓሳባት ንምግላጽን ከገልግል ጀሚሩ።ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ህዝቢ ዓለም’ ንቐይሕን ጸሊምን ዝሕብሮም ካርታታት ብሓባር ክጥቀመሎም’ዩ ዝርአ። እዚ ድማ ከም መርኣያ ብሉጽነት እናተወሰደ ክሳብ ዕለተ ሎሚ ብብዝሒ ዝዝውተር ዘሎ ዓይነት ካርታ ኮይኑ ኣሎ።

    ዘውርድ ግን ኣይኮነን።• ሓሙሽተ ሬክተር

    ስኬል፦ እዚ ደረጃ ምንቅጥቃጥ መሬት መንደቕ የንቅዕ፡ ኣቑሑ ገዛ ከኣ የውድቕ።• ሽዱሽተ ሬክተር ስኬል፦

    በዚ ደረጃ ዝዕቀን ዓይነት ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከውርድ ምሉእ ተኽእሎ ዘለዎ ኢዩ።• ሸውዓተ ሬክተር

    ስኬል፦ እዚ ደረጃ’ዚ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝኽሰተሉ፡ ብመንጽሩ ድማ ዝለዓለ ጉድኣት ኣብ ህይወት ከውርድን ዓበይቲ ህንጻታት ከፍርስን ዝኽእል ደረጃ ምንቅጥቃጥ መሬት ኢዩ።• ሸሞንተ ሬክተር ስኬል፦

    ኣብ ህይወትን ንብረትን ሰፍ ዘይብል ክሳራ ናይ ምውራድ ሓይሊ ዘለዎ፡ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ምንቅጥቃጥ መሬት ደረጃ ኢዩ።• ትሽዓተ ሬክተር ስኬል፦

    እዚ ዝዓበየ ደረጃ ዓቐን ናይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኮይኑ፡ ዘውርዶ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድን ንምግላጹ ዘሸግርን ኢዩ።

    ደረጃታት ምንቅጥቃጥ መሬት

  • ሓዳስ ኤርትራ 21 ሚያዝያ 2015 - ገጽ 9

    ኢንዱስትሪ ዓለባ ኤርትራ ሓ.ዝ.ብ.ማ.

    ዓቢ ምጉዳል ዋጋኢንዱስትሪ ዓለባ ኤርትራ እንቋዕ ናብ በዓል ትንሳኤ ኣብጸሓኩም እናበለ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ፣ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ ።ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ካብ 6 ሚያዝያ 2015 ክሳብ 30 ሚያዝያ 2015 ዝጸንሕ ፣ ኣብ ኩሎም ምህርቲ ትካልና ዓቢ ምጉዳል ዋጋ ከምዝገበርና ንክቡራት ዓማዊልና ነበስር ።ምህርቲ ትካልና ኣብ መላእ ሃገር ንምብጻሕ ብዝመደብናዮ መሰረት ኣብ ፦

    ኣብ ኣስመራ ፦ ኣብ ድኳን ትካልና ጎደና ተጋደልቲ ፊት እንዳኖራ

    -ኣብ ድኳን ሃብተ ተድላ ጎደና ከረን ቁጽሪ 29ኣብ ከረን፦ ዱባይ ቡቲክ ጥቓ ባንክ ኣባይትን ንግድን

    ኣብ ዓዲቐይሕ ፦ ድኳን ሳልሕ ኢብራሂም ሹም ከባቢ ኩዳር

    ኣብ መንደፈራ፦ ሩት ቡቲክ ጥቓ ጅራ ፍዮሪ

    ኣብ ደቀምሓረ፦ ፎዝያ ቡቲክ ጥቃ ዕዳጋ

    ኣብ ተሰነይ ፦ ቀይሕ ባሕሪ ቡቲክ ከባቢ ፊት ገነት ሆቴል

    ኣብ ጊንዳዕ፦ ቀይሕ ባሕሪ ቡቲክ ከባቢ መስጊድ ጃምዕ

    ኣብ ባጽዕ፦ ኢዮሩሳሌም ቡቲክ ከባቢ ዕዳጋ ባጽዕ

    ናይ መሸጢ ድኳናት ከፊትና ንኩሉ ተጠቃማይ ሕብረተ ሰብ ፣ ናይ ክልቲኡ ጾታ ፣ ንዝተፈላለየ ዕድመ ዘገልግሉ ብውሕልነት ዝተዳለው ፣ ንጥዕና ዝሰማምዑ ምህርቲ ብኣዝዩ ርትዓዊ ዋጋ ቀሪብናልኩም ኣሎና ።

    ካብ 6 ሚያዝያ 2015 ክሳብ 30 ሚያዝያ 2015ካብ ሰዓት 8:00 ቅ/ቀ ክሳብ ሰዓት 7:00 ድ/ቀ (ብዘይካ በዓላት)

    ኩሎም ናይ መሸጢ ድኳናት ክፉታት ኰይኖም ንዓማዊል ከገልግሉ ኢዮም።ብጽሑና!! ብጽፈትን ዓይነትን ምህርትና ፣ ብርትዓውነት ዋጋና ፣ ብምቕሉል ኣቀባብላና ክትዓግቡ ኢኹም።

    ቁ.ቴሌፎን፦ 182967/186405/182943

    ኢንዳስትሪ ዓለባ ኤርትራ

    ምልክታ ጨረታኩባንያ ህንጻ ሰገን፡ ኣብ ኣስመራ ቤት ጊዮርጊሽ፡ ደንጎሎ፡ ቢሻ ዝርከብ ካፈተርያታት፡ መግቢ ናይ ምቕራብ ግዱሳት ተጫረቲ ይዕድም።

    ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግብኦም፦

    - ናይ ዓመተ 2013/2014 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ።- ኣብ’ዚ ጨረታ’ዚ ክሳተፍ ዝደሊ መኽበሪ ጨረታ ተመላሲ ዝኸውን 10,000 ናቕፋ ይተሓዝ።- ዝርዝር ሓበሬታ ንጨረታ ዝምልከት ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ጎደና ብድሆ ትሕቲ ሃገራዊ መድሕን ኮርፖረሽን ኤርትራ ክፍሊ ፋይናንስ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክውሰድ ይከኣል።- እዚ ጨረታ’ዚ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ን15 መዓልታት ክፉት ኮይኑ፡ ንጽባሒቱ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈትና ይኽፈት።- ኩባንያ ህንጻ ሰገን ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ በዚ ጨረታ’ዚ ኣይግደድን።

    ኩባንያ ህንጻ ሰገንTel. 126033 ፖ.ሳጹን 5508

    ኣስመራ

    ምልክታሚ/ሪ ጥዕና ብመንገዲ NHIS MOH ነዞም ዝስዕቡ ከስርሕ ስለዝደለየ፡ ግዱሳት ተወዳደርቲ ይዕድም።To replace the old system with new supply, installation and commissioning of telephone network for the min